Thursday, August 29, 2013

ነባሪ ህዝቢ ከተማ ሸራሮ ዉሻጣዊ መሳርሒ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ መማልኢ ናውቲ መግዝኢ ገንዘብ ከዋፅኡ ይግደድ ከም ዘሎ ተሓቢሩ።





ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ከተማ ሸራሮ ዝርከብ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ፤ ዝተማለአ መሳርሒ ናውቲ ስለ ዘይብሉ፤ ነባሪ ህዝቢ ኣገልግሎት ፖሊስ ንኽረክብ እንተደልዩ መጀመርያ ነቲ ጎዲሉ ዘሎ መሳርሒ መግዝኢ ዝኸዉን ገንዘብ ኩሉ ነባራይ ከዋፅእ ዘግብር መምርሒ ተመሓላልፉ ክትግበር ኣብ ዝተጀረሉ ተቓዉሞ ኣጋጥምዎ ከም ዘሎ ተፈሊጡ።

መላእ ነባራይ ህዝቢ ከተማ ሸራሮ ኣብቲ ገንዘብ ኣዋፅእ ንምባል ዝተኻየደ ኣኼባ “ንሕና ብመንግስታዊ ባጀት ዝመሓደር ቤት ፅሕፈት ገንዘብ ክነዋፅእ ኣይንእኽልን፤ ዓመታዊ ዝተመደበልኩም ባጀት ናበይ ክትእትዉዎ ስለ ዝደለኹም ኢኹም፤ ገንዘብ ንፖሊስ ቤት ፅሕፈት መሳርሒ መግዝኢ ምባል በየናይ መሰርሕ  መንገዲ ወራር ብምዃኑ ነዚ ወራር ነተባብዕ ህዝቢ ኣይኮናን” ብምባል ብሓደ ድምፂ ከም ዝተቓወሞም እቲ ሓባበሬታ ወሲኹ ኣመልኪቱ።

ኣስዒቦም እቶም ተኣከብቲ “ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ገንዘብ ሃቡ እናበለ ህዝቢ ምምዝማዝ ኣገባብ ኣይኮነ ድሕሪ ምባል፤ ብመሰረቱ ብሽም ፋዉንደሽን መለስ ኣዋፅእዎ ትብሉና ዘለኹም ገንዘብ እዉን ኣብ ዝኾነ ግዜ ኣይንቕበሎን ብምባል ነቲ ዝቐረበ ሓሳብ ህዝቢ ከም ዝነፀጎ ተገሊፁ።