ኣብ ዝሓለፈ ባጀት ዓመት 2005 ዓ.ም ህዝባዊ ኣገልግሎት ንዝህቡ
ፕሮጀክት መህነፂ። መፀገንን መስፋፍሕን ተባሂሉ ካብ ዝተመደበ ባጀት። እቲ 120 ሚልዮን ብር ኣብ መዓልኡ ከይወዓለ ዝተጠፋፈአ
ኮይኑ። ሓለፍቲ እቲ ቢሮ ነቲ ዝተጠፋፈአ ገንዘብ ንምፅራይ ብምባል ኣብ ዘካይድዎ ዘለዉ ኣኼባ። ብታሕተዎት ሰራሕተኛታት ከም
ዝተጠፋፈአ ዘምስል ፀብፃብ ክቐርብ እንትገብሩ። ሰራተኛታት ብወገኖም እቲ ገንዘብ ብሓላፊ እቲ ቢሮ ምስ ዉልቀ ሰራሕተኛታት
ተሻሪኹ በሊዒዎ ብምብል ክብሉ ነቲ ፀብፃብ ስለ ዝነፀግዎ። ኣብ ኣብ መንጎኦም ዓብዪ ወጥሪ ተወሊዑ ከም ዘሎ ካብቲ ኣኼባ
ዝላሓኼ ምስጥር ኣፍሊጡ፣
እቲ
ኣኼባ ካብ ዝጅምር መዓልቲታት ዘቑፀረ ኮይኑ ኣብ መንጎ ሓለፍትን ሰራሕተኛታትን ሰፊሕ ዘየረዳድኦም ነጥቢ ተበጊሱ ነንባዕሎም
ይማናጨቱ ኣብ ዘለዉሉ። ላዕለዎት ሓለፈቲ ነቲ ዝፈፀምዎ ምጥፍፋእ ንምሽፍፋንን ብሚድያታት ንኸይፍኖን። ዝኾነ ይኹን ሰራሕተኛ
ናብቲ ዕፁዉ ኣኼባ ወረቐትን እስክርፒቶን ሒዞም ከይኣትዉን ከይወፁን ከም ዝፍተሹ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣
እዚ
ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቶም ሰራሕተኛታት ቢሮ ሃፍቲ ማይ ነቲ ገንዘብ ህዝብን ሃገርን ዘጠፋፈአ ሓላፊ ብምዉቅዖም ህዉከት ተወሊዑ
እቲ ቢሮ ብኣካላት ፀጥታ ይሕሎ ከም ዘሎ እቲ ካብ ከተማ መቐለ ዝተረኸበ ሓበሬታ ወሲኹ ኣገንዚቡ፣