ኣብ ዞባ
ሰሜናዊ ምዕራብ ከተማ ሽረ-እንዳስላሰ ቀበሌ 03 ሰዓት 1።30 ምሸት። መናእሰይ እታ ቀበሌ ብምኽንያት ዓመት በዓል መስቀል
ኣብ ገዛ ዓንዶም መኮነን ተስፋይ ተኣኪቦም ስዋ ይሰትዩ ኣብ ዝነበርሉ። እቲ ምትእኻኻብ ናይቶም መናእሰይ ዘይተወሓጠሎም ፖሊስን
ምልሻን ከተማ ሽረ ንበዓል ዋና ገዛ ዓንዶም ተደሊኻ ኣለኻ ብዝብል ኣፀዊዖም። ኣብ ማእኸል ጎደና እናተቐባበሉ ብዘይዝኾነ ዘረባ
ብዝሓዝዎ በትሪ ቀጥቂጦም ከቢድ ጉድኣት ከም ዘዉረድሉ ካብ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ዝዝበፀሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ፣
በቶም
ፖላዊስን ምልሻን ኣብ ልዕሊ ዓንዶም መኮነን ዝወረደ ግፍዒ ዝተዓዘበ ነባራይ ሕብረተሰብ እቲ ከባቢ። ብሓደ ድምፂ ሆሉ ብምቃዋም
ብርክት ዝበለ ህዝቢ ናብ ማእኸል ጎደና ወፂኡ ነቲ ዘስካሕክሕ ግፍዒ ዓገብ ብምባል ዝኾነኖ እንትኾን። በቲ እከይ ተግባሮም
ዘይዓገቡ ፖሊስን ምልሻን ኣብ ልዕሊ እቲ “በላዕቲ ሰብ” እናበለ ተቓዉምኡ ዝገልፅ ዝነበረ ህዝቢ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ክወስዱ
ኣብ ዝፈተንሉ። መናእሰይ ተወዲቦም ብምእኒ ምስ ገጥሞም ፌዴራል ፖሊስ ረዳት መፂኡ ነቲ ከባቢ
ብምኽባብ ሰብ ምውቃዕ ኣብ ዝጀመርሉ ህዝቢ ንባዕሉ ክከላኸል ኣብ ዝወስዶ ስጉምቲ። ሓንቲ ንግዝኡ ሽማ ዘይተገለፀት
ኣባል ፌዴራል ፖሊስ ብእምኒ ተወቒዓ ከም ዝወደቐት ምንጭታትና ካብ ከተማ ሽረ ኣረዲኦም፣