ኣብ
ክልል ኣምሓራ ዞባ ኣዊ ወረዳ ጃዊ ኣብ ዝርከባ ዝተፈላለያ ቀበሌታት ዝነብሩ መናእሰይ። በቲ ስርዓት ዝፍፀሙ ፀረ ሰብኣዉን
ዴሞክራስያዉን ኣካይዳታት ተቐብሎም ብዘይምትግባሮም። ብምምሕዳርን ብሓይልታት ፀጥታን ዓንቀፍቲ፤ ፀረ ልምዓትን ልኡዃት
ኣሸበርትን ዝብል ሽም እናተወሃቦም ይእሰሩን ይጋፍዑን ከም ዘለዉ ካብቲ ቦታ ዝበፀሓና ሓበሬታ ገሊፁ፣
ኣብዚ
ቅንያት ጥራይ ንህዝቢ ኣንፃር መንግስቲ ክለዓል ትጉስጉሱ ኣለኹም ዝተባሃሉ 37 ንፁሃት ዜጋታት ብፖሊስ ተኣሲሮም ከምዘለው።
ካብቶም ዝተኣሰሩ ወገናት ንምጥቃስ።-
* ኣይሸሹ ኣዲሱ
* ጌትነት ፋንታሁን
* ጌታዉ ገነት
* ኣብረት በቀለ
* ኣብዮት ማሙዬ
* ኣበባዉ ትእዛዙ። ዝርከብዎም ዝፈፀምዎ
ገበን ዘይብሎም ተኣሲሮም ብፖሊስ ዝሳቐዩ ዘለዉ ንፁህት ወገናት ገሊኦም ምዃኖም። እቲ ንስድራ ግዳያት መሰረት ጌሩ ዝበፀሓና
ሓበሬታ ኣረዲኡ፣