ኣብ ዞባ ማእኸል ትግራይ ወረዳ ታሕታይ ማይ ጨው ዝረከቡ ናይ ሕርሻ መሬት ዘይብሎም ዜጋታት ሓላፍነት ስድራ
ተሸኪሞም ስለ ዝተፀገሙ ኣብ ከባብኦም ገለ ቦዶ መሬት ኣሊሾም ዝዘርእዎ ጣፍ ምስ በቖለ፣ ከም’ውን ማይ ኣብ ዝርከቦ ሩባ ዝተኸልዎ
ጌሾ ምስ ፀደቐ፣ ኣማሓደርቲ እቲ ከባቢ ነቲ ዝራእቲ ብከብቲ ኣብሊዖም
ነቲ ኣትክልቲ ድማ ካብ ሱሩ ምስ ኣብረስዎ። እቶም ሓረስቶት ዓመት ምሉእ ሓሪስና ጎልጒልና ጉልበትና ገንዘብናን ዘፈሰስናሉ ዘራእትና
ብትእዛዝ ኣመሓደቲ ተበሊዑ ክብሉ ኣብ ወረዳን ዞባን ብምኻድ ጥርዓን
ዋላ‘ኳ እንተቕረቡ፤ ባዕልኹም ትፈልጡ ኣይንፈልጠኩምን ዝብል ዘይሓላፍነታዊ ምላሽ ከም ዝተዋሃቦም ንግዳያት መሰረት ጌሩ
ዝበፀሓና ሓበሬታ ገሊፁ።
ብተመሳሳስሊ ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ
ወረዳ መደባይ ዛና ከባቢ ሰለኽለኻ ብሆቦብላ ንፋስ ተሰንዩ ዝወቐዐ በረድ ዝተሓወሶ ዝናብ፤ ኣብ ልዕሊ ዝራእቲ ከቢድ ጉድኣት ዘውረደ
እንትኾን እቶም ኣብ ዝራእቶም ጉድኣት ዝበፀሖም ሓረስቶት ናይ ሕርሻ መሬቶም ገምጢሎም እንደገና ቀልጢፉ ዝባፅሕ ዘርኢ ቀይሕ ዓተር
በቲ ስርዓት ብመልክዕ ሓገዝ ንኸዕድሎም ዘቅረብዎ ሕቶ፣ ኣማሓደርቲ እቲ ወረዳ ኪዱ ኣይንፈልጥን ንሕና ዘጥፋእናዮ ዝራእቲ የለን
ምስ በልዎም፣ እቶም ሓረስቶት “ህዝቢ የመሓድር ኣለኹ ዝብል ስርዓት ከምዚ ዝበለ ምላሽ ክህብ ዘይግባእ ተግባር እዩ” ክብሉ መረረቶም
ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣምሚታት ኣብ ምግላፅ ከም ዝርከቡ ካብ ከተማ ሰለኽለኻ ዝበፀሐና ሓበሬታ ኣፍሊጡ።