እቲ
ብተደጋጋሚ ኣብ ከተማታት ትግራይ ዝረአ ዘሎ ዓርሰ ቅትለት ናይ ምፍፃም ተግባር መበገሲኡ ብጉቦን ወገንነትን ዝጠልቀየ ምሕደራ
ስርዓት ወያነ ዝወለዶ ኮይኑ። ዜጋታት ላዕልን ታሕትን ኢሎም ነቲ ሕሰም ዝተመልኦ መነባብሮ ንምድፋእ ኣብ ዝገብርዎ ፀዓርዓር
ብላዕለዎት ሰበ ስልጣንን ካደረታትን የጋጥሞም ዘሎ ኣድልዎ ዝተመልኦ ምግልታዕን ምትእጉጓልን ልዕሊ ዓቕሞም ኮይኑ ክፃወርዎ ስለ
ዘይከኣሉ ነብሶም ባዕሎም ከጥፍኡ ይግደዱ ከም ዘለዉ ካብ ምንጭታትና ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ፣
ካብቶም
ኣብዚ ቅንያት ዓርሰ ቅትለት ዝፈፀሙ ወገናት ንምጥቃስ።-
Ø
ተማሃራይ እዮብ ኣማረ ነባርነቱ ኣብ ከተማ ሽረ ቀበሌ 04 ብ10 መስከረም 2006 ዓ.ም ባዕሉ
ማላታይን ሰትዩ ዝሞተ፣
Ø
ቴድሮስ በየነ ነባርነቱ ኣብ ከተማ ሽረ ቀበሌ 03 ሰራሕተኛ ጋራዥ ኮይኑ ልዕሊ ዓቕሙ ግብሪ ክፍል
ተባሂሉ ኣረኣእያ ክግበረሉ ንሰበ ስልጣን ሓቲቱ ሰማዒ ክረክብ ብዘይምኽኣሉ ተሓኒቑ ነብሱ ኣጥፊኡ፣
Ø
ካልእ ሙላዉ ዝተበሃለ ተወላዲ ሰሓርቲ ሳምረ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝርከብ ፖሊ ቴክኒክ ተማሃራይ 3ይ
ዓመት ኮይኑ። ዝተመሃረሉ መረዳእታ ሰርቲፍኬት ብተደጋጋሚ ሃቡኒ ኢሉ ክዋሃቦ ብዘይምኽኣሉ ተሓኒቑ ከም ዝሞተ ካብቲ ሓበሬታ ንምርዳእ
ተኻኢሉ፣
ኣብ
ዝሓለፈ ዜናና ኣዱኛ የማነ ዝተበሃለ ምሩቕ ዩኒቨርሲቲ ብሰንኪ ስርዓት ወያነ-ኢህወዴግ ዝኽተሎ ግዑዙይ ምሕደራን ዘይፍትሓዊ
ኣሰራርሓን ስራሕ ብዘይምርካቡ ዝፈጠረሉ ጭንቂ ኣብ ከተማ ሑመራ ተሓኒቑ ከም ዝሞተ ኣመሓላልፍና ምንባርና ይፍለጥ፣