እቲ
“ካብ ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ (ዴ.ም.ህ.ት) ኢትዮጵያ ንምድሓን ስርዓት ወያነ-ኢህወዴግ ብምቅዋም ንወደብ”
ዝብል ንመላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝቐረበ ፃዉዔት። ናብ 19 መስከረም 2006 ዓ.ም ዘዉግሕ ለይቲ ኣብ ጎደናታት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብዕውት መንገዲ ተበቲኑ ከም ዝሓደረ
ምንጭታትና ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጦም፣
ካብ
ትሕዝቶ እቲ ፋፕሌት “ህዝቢ ኢትዮጵያ ሰላም፤ ዴምክራሲ፤ ፍትሕን ማዕርነትን ንምርግጋፅ ንዝሓለፈ ብዙሕ ዓመታት ዘካየድካዮ
ቃልስን ዝኸፈልካዮ መስዋእትነን ሽትኡ ከይወቐዐ። ንዉልቃዊ ጥቕሞም’ምበር ብዛዕባ ሃገርን ህዝብን ስምዒት ብዘይብሎም ዉሓዳት
ኣምባገነን ጉጅለ ተመንዚዕኻ። በዓል ዋና እንዳሃለኻ ብማዕዶ ኮይንካ ጠማትን ተመፅዋትን ኢሉ’ዉን ንሕና ዝበልናዮ ካብ ምስማዕን
ምድጋምን ሓሊፍካ። ካልእ ክትሰምዕን ሓሳብካ ብነፃ ከይትገልፅን ዓፊኖም መሳርሒ ናሃታቶም ኮይንካ ክትነብር ፈርዶምኻ እኳ
እንተለዉ። ነዚ ብዘይ ናይ ብሄርን ሃይማኖትን ኣፈላለይ ብሓደ ተወዲብካ እተካይዶ ምንቅስቓስ ዴምህት ክሳብ መወዳእታ ብምሉእ ዓቕሙ ኣብ ጎንኻ ኣሎ” ብምባል ዘረጋግፅ እዩ፣
እቲ ካብ
ብጊሓቱ ጀሚሩ ኣብ ስልጣን ብዝርከብ ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ኢትዮጵያ ዝወርድ ዘሎ ጭቆናን ግፍዒን
ብሰላምዊ መንገዲ ተቓሊስካ ለዉጢ ከም ዘይመፅእ ኣሚኑ። ዴ.ም.ህ.ት ቅድሚ 12 ዓመት 19 ለካቲት 1993 ዓ.ም በረኻ
ብምዉፃእ። እቲ ስርዓት ብዝኣምነሉ ዕጥቃዊ ቃልሲ ገጢምካ ለዉጢ ንምምፃእ ህዝቢ እናወደበ ኣብ ምቅላስ ዝርከብ ውድብ ምዃኑ
ይፍለጥ፣
ብተወሳኺ
ዴ.ም.ህ.ት ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣድማስ ቃልሱ ልዕሊ ማንም ግዜ ሰፊሑ ምስ ዝተፈላለያ ኣንፃር ስርዓት ወያነ ዝቃለሳ ዉድባትን
ማሕበራትን ዉልቀ ሰባትን ርክባት ብምግባር ዕላምኡ ንምዕዋት ኣብ ምርብራብ ዝርከብ ኮይኑ። እዚ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ፋፕሌት
ምብታን’ዉን ኣካል ናሃቱ ምዃኑ ካብ ህዝባዊ ርክባት ዴ.ም.ህ.ት ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ፣