ኣብቲ
ብ12 መስከረም 2006 ዓ/ም ዝተኻየደ ብዓሰርተታት ኣሻሓት ዝግመት ህዝቢ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተሳተፈሉ። ንስርዓት ወያነ
ዝኹንን ተቓዉሞ ሰልፊ ኣብ ዝተኻየደሉ ካብ ዝቃልሑ ዝነብሩ ጭርሖታት። ፤ናይ ፖለቲካ እሱራት ክፍትሑ! ካብ ሕጊ ወፃኢ ሰባት
ምግልታዕ ጠጠዉ ክብል! ዜጋታት ካብ መረበቶም ምፍንቓል ደው ይበል! መንግስቲ ኣብ ሃይማኖት ኢድ ኣታዉነት ደው የብል! ድምፂ
ህዝቢ ክስማዕን ካልአትን ዝፅውዕ ተቓውሞ ከም ዝነበረ ካብ ተሳተፍቲ እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ብድምፂን ተሰኒዩ ዝበፅሐና ሓበሬታ
ኣረዲኡ፣
ብተወሳኽ
ሰማይዊ ፓርቲ እቲ ናይ ተቓዉሞ ሰላምዊ ሰልፊ ከካይደሉ ዝሓተተሉ መሰቀል ኣደባባይ እኳ እንተነበረ፣ ሰበ ስልጣን እቲ ስርዓት ግና ጃን
ሜዳ ግብርዎ ምስ ተበሃሉ። ኣመራርሓ ሰማያዊ ፓርቲ ብወገኖም ንመን ተፈቕዱ ንመን ይኽልከል ብምባል ኣብቲ ንመደቦም ይዕዉት
ዝበልዎ ቦታ ናብ መስቀል ኣደባባይን ናብ ኣራት ኪሎን ብምንቅስቓስ ዕላማኦም ከምዝወቕዑ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ኩሉ ኣብቲ ሰልፊ ዝተረኸበ ህዝቢ ድማ ኣብቲ 19 መስከረም
2006 ዓ.ም ብዉድብ ኣድነት ኣብ ዝተፀወዐ ሰልፊ ክርከብ ፃዊዒት ከም ዝተማሓላለፈ ተገሊፁ፣