ብመሰረት’ቲ
ሓበሬታ ኣብ ዞበ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሑመራ ሓንቲ ኦራል ዝዓይነታ ዋንነት ናይ ምኽልኻል ሰራዊት ስርዓት ወያነ-ኢህወዴግ
ዝኾነት መኪና ብሞተር ሳይክል ተሰቒልም ናብ ስርሖም ዝጓዓዙ
ዝነበሩ ክልተ ዜጋታትና ብዘብፀሓትሎም ሓደጋ። እቲ ወዲ ሽዑ ንሽዑ ህይወቱ ክሓልፍ እንከሎ እታ ምስኡ ዝነበረት ጓል ኣንስተይቲ
ከዓ ብኸቢድ ቆሲላ ኣብ ሆስፒታል ከም ትርከብ ተገሊፁ፣
እታ ኣዞም ዝጓዓዙ ዝነበሩ ክልተ ሰላምዉያን ወገናት ሓደጋ ዘብፀሐት
ኦራል ዝዓይነታ መኪና ዝመርሕ ዝነበረ ። ሕጊ ትራፊክ ጢሒሱ ብዘብፀሖ ናይ ሞትን መቐሰልትን ተሓታቲ ክኸዉን ኣለዎ ብምባል
ነበርቲ ከተማ ሑመራ ይኹንንዎ ከም ዘለዉ ካብታ ከተማ ዝተረኽበ ኣረዲኡ፣