Thursday, October 3, 2013

ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝነብሩ ኣባላት ዴምህት ግንቦት-7 ኣብ ዘካይዶም መድረኽ ኣኼባታት ተረኺቦም ዘለዎም ርክባት የጠናኽሩ ከም ዘለው ካብ ህዝባዊ ርክባት ዴ.ም.ህ.ት ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣



ዉድብና ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ /ዴምህት/ ካብ ዝሓለፈ እዋናት ጀሚሩ። ምስ ዕጥቃዊ ቃልሲ ኣብ ምክያድ ዝርከብ ዉድብ ግንቦት-7 ተሓጋጊዝካን ተሓባብርካን ንምስራሕ ካብ ምርድዳእ ሓሊፉ ኣብ ሓበራዊ ምትሕግጋዝ ዝበፀሐ ኮይኑ። ከም መቐፀልታ ናይዚ ከዓ ኣብ ዝተፈላለያ ወፃኢ ሃገራት ዝርከቡ ኣባላት ዉድብ ዴምህት። ኣመራርሓ ዉድብ ግንቦት-7 ምስ ኣባላቶምን ደገፍቲ ዉድቦምን ከካይድዎም ኣብ ዝቐነዩ ኣኼባታት ተረኺቦም ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ዝፈጠሮ ዘርኣዉን ከፋፋልን  ኣካይዳ ንጎኒ ገዲፍና ኢድ ንኢድ ተተሓሕዝና ክንሰርሕ ኢና ክብሉ ምግላፆም እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ወሲኹ ኣፍሊጡ፣

  ኣስዒቦም እቶም ኣብቲ ኣኼባ ዝተረኸቡ ኣባላት ዉድብ ዴምህት ንሕና ኣብዚ ክንርከብ ከለና ንይምሰል ዘይኮነስ ነቲ ድምፂ ህዝቢ ብሓይሊ ኣፈሙዝ ጓዕፂፁ ኣብ ስልጣን ተቐሚጡ ዘሎ ከፋፋሊ ስርዓት ወያነ-ኢህወዴግ ካብ ሱር መሰረቱ በቲ ንሱ ዝኣምነሉ ሓይሊ ብረት ጉሒፍካ ንምድርባይ ካብ መፈለምታ ኣትሒዙ ዉድብና ዴምህት ኣሚንሉ ዝተበገሰ ብምዃኑ። ነዚ ዕላማ ዉድብና ኣብ ሽትኡ ንምብፃሕ ድማ ኣባላትን ደገፍትን ክልቴና ዉድባት ነቲ ስርዓት ወያነ ዝደልዮ ብዘርኢ ምፍልላይ ብምሉእ ልቢ ቀይርና። ኣብ ውሽጥን ወፃእን ኣብ ዝካይዱ ርክባትና ኣጠናኽርና ንሰርሓሉ እዋን ሕዚ እዩ ክብሉ ዘለዎም ፅኑዕ እምነት ገሊፆም እዮም፣

ኣብቲ ኣጋጣሚ ዝነበሩ ኣመራርሓን ኣባላትን ዉድብ ግንቦት-7 ብግድኦም ዴምህት ዕጥቃዊ ቃልሲ ኣብ ምክያድ ካብ ዝርከቡ ተቓወምቲ ዉድባት ኢትዮጵያ ብኣፅዋርን ስራዊትን ኢሉ እዉን ሒዝዎ ብዝግስግስ ዘሎ ዓላማን እቲ ዝጠንከረን ዝሓየልን እዩ ምስ በሉ። ምስዚ ዘተኣማምን ዉድብ ተሓባብርና ንምስራሕ ድማ ካብ ምርድዳእ ሰጊርና ኣብ ኣብ ፅቡቕ ምትሕግጋዝ ስራሕ በፂሕና ኣለና ነዚ ጅምር ከዓ ኣጠናኽርና ክንቅፅለሉ ኢና ክብሉ ምግላፆም ካብቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣