Thursday, October 3, 2013

ንዉድብ ኣንድነት ቅንጅት ወኪሎም ሰላምዊ ሰልፊ ንምክያድ ፍቓድ ክሓቱ ዝኸዱ ሰባት ይእሰሩ ከም ዘለዉ ተሓቢሩ፣



ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣንፃር ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ብምቅዋም ሰላማዊ ሰልፊ ንምክያድ ፍቓድ ንምሕታት ናብ ዝምከቶም ኣካላት ዝኸዱ ወኪል ዉድብ ኣንድነት ቅንጅት ዝኾኑ ኣቶ ካሳሁን ይልማ። ምስ ጉንበት-7 ርክብ ኣለካ ብዝብል ምኽንያት ሓለፍቲ ኣካላት ፀጥታ ስርዓት ኢህወዴግ ነቲ ሒዞሞ ዝነብሩ ፍቓድ መሐተቲ ሕጋዊ ደብዳቤ ናይቲ ዉድብ መንጢሎም ከም ዝኣሰርዎም ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣

ብዝካየድ ዘሎ ተኸታትሊ ተቓዉሞ ሰልፊ ዓቕሉ ፀቢብዎ ዝርከብ ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ። ስልጣኑ ብሕጋዊ መንገዲ ከዉሕስ ዓቕሚ ይኹን ክእለት ብምስኣኑ። ንኹሉ ሕቶታት ህዝቢ ኢትዮጵያ ብዓይኒ ቅርሕንቲ እናጠመተ ንመሪሕነትን ኣባላትን ተቓወምቲ ዉድባት ሃገርና ምስ ኣልቃይዳን ኣልሻባብን ዝራኸቡ ኣሸበርቲ ብዝብል ፀለመ ኣሲሩ ዘሳቕዮም ዘሎ ኮይኑ። ምስ ጉንበት-7 ርክብ ኣለካ ብዝብል ንኣቶ ካሳሁን ይልማ ምእሳሩ’ዉን መቐፀልታ ናሃቱ ምዃኑ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣገንዚቡ፣