Wednesday, October 2, 2013

ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ምምሃር ምዝዋር መኪና ዝርከባ ትካላት ካብ ካልእ ክልል ንዝመፀ ሰልጣኒ ከይቕበላ በቲ ስርዓት ትእዛዝ ከም ዝተዋሃባ ካብ ከተማ መቐለ ምንጭታትና ሓቢሮም፣



ብመሰርት’ቲ ሓበሬታ እቶም ብምምሃር ምስትምሃር  ምዝዋር መኪና ዝተዋፈሩ ሰብ ዋና  ትካላት  ብወገኖም። ነቲ ብሰበ ስልጣን ወያነ  ናይ ብሄር ኣፈላላይ  ንኽግበር ዝተወሃቦም ትእዛዝ  ከም ዘይተቐበልዎን  ኩሉ ኢትዮጵያዊ ማዕረ’ዩ ክብሉ ምላሽ ከም ዝሃቡሉን ተፈሊጡ፣
 
   እቲ ሓበሬታ ወሲኹ። እተን ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ምምሃር ምዝዋር መኪና ዝነጥፋ  ናይ ወልቀ ትካላት ብጀካ ንትግራዋይ ካብ ካሊእ ክልል ንዝመፀ ኢትዮጵያዊ ተቐቢለን ከምህራ ከም ዘይብለን ዝወረደ ትእዛዝ ንስራሕ ማእኸል ከም ዘይገበረ ኣብ ዝገልፅሉ። ኣብ መንጎ ህዝብታት ኢትዮጵያ ሓድነት ከይህሉ ብምግባር ንቅርሕንትን ግጭትን ዝዕድም እዩ ክብሉ ኣብ ምግላፅ ከም ዝርከቡ ኣረዲኡ፣

    ኣብ መወዳእታ። እቲ ብሰበ-ስልጣን ወያነ ዝወረደ ምስልጣን ምዝዋር መኪና ፅሬት ይጎድሎ ከም ዘሎ ኣምሲልካ ብብሄር ምፍልላይ ለዉጢ ንምምፃእ ተሓሲቡ ዘይኮነ ኮነ ተባሂሉ ትምህርቲ ምዝዋር መኪና ምኽንያት ተጠቕምካ ህዝቢ ትግራይ ከም መሳርሒን መናውሒ ዕድመ ስልጣኖምን ናሃቶም ጊላ ኮይኑ ንኽነብርን ዝተሓሰበ ዝኸፍአ ውዲት ከም ዝኾነ ገለ ወገናት ርኢተኦም  ምግልፆም ንምንጭታትና ካብ ከተማ መቐለ ወሲኾም  ገሊፆም፣