ብመሰረት’ቲ
ሓበሬታ። ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ኣስገለ ፅምብላ ዝርከቡ ብሓደ ዕሉል ፀረ ህዝቢ ኣባል ፖሊስ ኣሰፋ
ይሕደጎ ዝተብሃለ ልዕሊ ክልተ ሚኢቲ ዝኾኑ መንእስያትን 30 ብረትን ብምሓዝ ኣብቲ ከባቢ ናብ እትርከብ ጣብያ ራህዋ ብምኻድ ብባህላዊ
መንገዲ ወርቂ ንኽፍሕሩ ኣብ ዝተንቀሳቐስሉ ነበርቲ ጣብያ ራህዋነቲ ውዲት ፈሊጦሞ ስለዝፀንሑ ብወገኖም መሬትና ኣሕሊፍና ኣይነፍሕርን
ብምባል ዝነበሮም ብረትን ሓይሊ ሰብን ኣዋዲዶም ነቲ ዝኸውን ኣብ
ዝፅበይሉ ዝነበሩ ግዜ ዕድመ ስልጣኖም ከየብቕዕ ዝሰግኡ ላዕለዎት
ሰበ ስልጣን ወያነ ነቶም ብሰለስተ መኻይን ተፃዒኖም ብመሪሕነት ፀረ-ህዝቢ ኣባል ፖሊስ ኣሰፋ ይሕደጎ ዝንቀሳቐሱ
ንዝነበሩ መንእስያት ንኽምለሱ ትእዛዝ ከም ዝተዋሃቦም ተፈሊጡ፣
እቲ ሓበሬታ ወሲኹ። ነበርቲ ጣብያ ራህዋ ብኣዘዝቲ ፖሊስ እታ ወረዳ ዝፍፀም ዘሎ ዘይሓላፍነታውን
ተግባር ናይ ሓደ ጉጅለ ሽፍታ ስራሕ’ዩ ክብሉ ብምኹናን መራሕቲ ስርዓት ወያነ ተሰዊእና ሰንኪልናን ሓብሒብናን ናብ
ስልጣን ምሰ ኣብፃሕናዮም ተመሊሶም ኣብ ኣብ ክንዲ ፍትሕን ርትዒን ምስ ኣሓትና ከብእሱናን ክረግፁና ጀሚሮም ብምባል ኣብ ልዕሊ
እቲ ስርዓት ወልቀ ሰባት ውድብ ህወሓትን ዘለዎም ፅልኣት ብጋህዲ ይዛረቡ ከም ዘለው ካብ ከተማ እንዳባጉና ዝበፀሐና ሓበሬታ
ወሲኹ ኣረዲኡ፣