Thursday, October 3, 2013

ከንቲባ ከተማ ጎንደር ንመሰረተ ልምዓት ተባሂሉ ዝተመደበ ባጀት ኣብ ዉልቃዊ ረብሕኡ ከም ዘዉዓሎ ተሓቢሩ፣


ብግዕዝይና ካብ ዝጠልቀዩ ሰበ ስልጣን ስርዓት ወያነ ሓደ ከም ዝኾነ ዝንገረሉ ከንቲባ ከተማ ጎንደር ዝኾነ ኣቶ ላቕ ኣያሌዉ። ንመስፋሕፍሒ መሰረተ ልምዓት ነታ ከተማ ተባሂሉ ካብ ዝተመደበ ባጀት ምስ ኣብ ትሕትኡ ዝርከብ ንግዝኡ ሽሙ ዘይተገለፀ ሓላፊ ፋይናንስ ተሻሪኹ። ልዕሊ ፍርቂ ሚሊዮን ብር ዝተፈላለየ ምኽንያታት ተጠቕሞም ወፃኢ ብምግባር መምልኢ ዉልቃዊ ካዝንኦም ከም ዘዉዓልዎ ተፈሊጡ፣
     እቲ ብስሰዐ ዓይኑ ዝዓወረ ከንቲባ ከተማ ጎንደር ንባዕሉን መሳርሕቱን ሃፍቲ ሃገርን ህዝብን ኣብ ምዝማት ከም ዝተዋፈሩ ነባራይ ህዝቢ ኣቐዲሙ ይፈልጦ ስለ ዝፀነሐ። ነቲ ኣይነቐሐልናን ኢሎም ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕተዎት ሓለፍቲ ብጥቕሚ ተኣሳሲሮም ዘካይድዎ ስርቂ። ብዱል ሕብረተሰብ ሓበሬታ ኣተኣኻኺቡ ክቃልዑ  እኳ እንተገበረ ሃገርና ዝመርሕ ዘሎ ስርዓት ብግዕዝይና ዝጠልቀየ ስለዝኾነ ግቡእ መቕፃዕቲ ከም ዘይዋሃቦም ነባሪ ህዝቢ ከተማ ጎንደር ይዛረበሉ ከም ዘሎ ካብታ ከተማ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ፣