ካብ’ቶም ኣዉፈርቲ ወፃእተኛ ሰብ ፀጋ ሃፍቲ ካብ
ጎረቤት ሃገር ሱዳን መፂኦም ኣብ ከተማ ባህርዳር ፋብሪካ ዘይቲ ብልዒ ተኺሎም ክንቀሳቐሱ ዝፀንሑ፤ ነቲ ኣብ መፅናዕቲ ዘይተመርኮሰ
ክኸፍልዎ ዝተወሰነሎም ግብሪ ምስ ኣታዊኦም ዘይመጣጠን ኣዚዩ ሃሳያይ ኮይኑ ስለ ዝረኸብዎ። ነቲ ክፈልዎ ዝተባሃሉ ግብሪ
ንብረቶም ሸይጦም ብምኽፋል ኣብዚ መጀመርያ ሓዱሽ ዓመት ንዓዶም ክምለሱ ከም ዝተገደዱ ንሰራሕተኛታት እቲ ትካል ንዝነበሩ
ወገናት መሰረት ብምግባር ዝበፀሓና ሓበሬታ ገሊፁ፣
ብሰንኪ ስርዓት ወያነ-ኢህወዴግ ዝኽተሎ ዘሎ ዘንባዕ ፖሊሲኡ ኣብተን ትካላት
ተቖፂሮም ክሰርሑ ዝፀንሑ ብርክት ዝበሉ ወገናት ካብ ስራሕ ደው ብምባሎም ንባዕሎምን ስድርኦምን ምስቲ ዝረአ ዘሎ ክብሪ
መነባብሮ ተደሚሩ ኣብ ከቢድ ማሕበራዉን ኢኮኖሚያዉን ፀገም ብምውዳቖም ኣንፀርፅሮም ባዕሎም ህይወቶም ዘጥፍኡን ዝረኸበ ይርከብና
ኢሎም ዉሕሰነት ብዘይብሉ መንገዲ መረበቶም ራሕርሖም ይጠፍኡ ከም ዘለዉ ካብ ከተማ ባህርዳር ዝተረኸበ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ፣