Wednesday, October 2, 2013

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ድምፂ ሚሊዮናት ንናፅነት ብዝብል ብመርሕነት ዉድብ ኣንድነት ዝተፀወዓ ናይ ተቓውሞ ሰላማዊ ሰማያዊ ሰልፊ ብዉዕዉዕ መንፈስ ከም ዝተኻየደ ተሓቢሩ፣



ኣብቲ ብ19 መስከረም 2006 ዓ/ም ዝተኻየደ ኣስታት ሚኢቲ ሽሕ ዝግመት ነባራይ ህዝቢ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተሳተፈሉ። ንስርዓት ወያነ-ኢህወዴግ ዝኹንን ተቓዉሞ ሰልፊ ኣብ ዝተኻየደሉ ግዜ ካብ ዝቃልሑ ዝነበሩ ጭርሖታት።-
*   ንህዝቢ እናሸቑረርካ ምግዛእ  ኣሸባርነት እዩ!!
*   ኢህወዴግነት ካብ ኢትዮጵያውነት ኣይበልፅን!!
*   ሓንቲ ኢያ ሃገርና!!
* ግዕዝይና መግለፂ ስርዓት ወያነ-ኢህወዴግ እዩ!!
*   መሰልና ካብ ኢህወዴግ ኣይንፅበን!!
*   ስርዓት ወያነ-ኢህወዴግ ክሳብ ዝልወጥ ቃልስና ቀፃሊ እዩ!!
* ናይ ፖለቲካ እሱራት ይፈትሑ! ዝብሉን ካልኦት ብርክት ዝበሉ ጭርሖታትን ይቃልሑ ከም ዝነበሩ ካብ ተሳተፍቲ እቲ ሰልፊ ብናይ ስልኪ ርክብ ብድምፂ ተሰኒዩ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ፣
ኣንድነት ፓርቲ ተቓዉሞ ሰላምዊ ሰልፊ ከካይደሉ ዝሓተተሉ ቦታ መሰቀል ኣደባባይ እኳ እንተነበረ። ሰበ ስልጣን እቲ ስርዓት ግና ክፈቕድሎም ስለ ዘይከኣሉ። ኣመራርሓ ዉድብ ኣንድነት ውሕልነት ብዝተመለኦ ኣገባብ ህዝቦም እናተሓባበሩ ንስርዓት ወያነ-ኢህወዴግ መልእኽቶም ብዝግባእ ከም ዘመሓላለፉ ካብቲ ቦታ ዝበፀሐና ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣ 
 ነቲ ውዕውዕ ሰላማዊ ሰልፉ ንምዕግርጋር ብላዕለዎት ሰበ ስልጣን ቀጥታዊ ትእዛዝ ዝምርሑ ኣባላት ፖሊስ ብዝተፈላለዩ ኣንፈት ናብቲ ተቓውሞ ሰልፊ ዝውሕዝ ንዝነበረ ህዝቢ ይዓግቱ ካብ ዝነበሩ ኣባላት ፖሊስ። በጃኹም ምምሕዳር ኣዚዙና ኢና ንሰርሕ ዘለና ናብ ፀገም ከይተእትውና እናበሉ ምምሕፃኖም። ኣብ ስልጣን ዝርከብ ስርዓት ክንደይናይ ዓቕሉ ፀቢብዎ ከም ዘሎ ዘመላኽት እዩ ክብሉ ተሳተፍቲ እቲ ታቓውሞ ሰልፊ ይዛረብሉ ከም ዘለው ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣  

ብተወሳኺ ኣብቲ ብ19 መስከረም 2006 ዓ/ም ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰላማዊ ሰልፊ። መራሕቲ ዝተፈላለዩ ውድባት፤ መረዳእታ ንምእካብ ናይ ዝተፈላለዩ ድሕረ ገፃት፤ ናይ ፖልቶክ ክፍልታትን ርክባት ተሌፎንን ከም ዝነበረ ተፈሊጡ፣ 
 ብተመሳሳሊ ዉድብ ኣንድነት ቅድሚ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ  ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ምክያዱ ኣብ ደሴ፤ ጎንደር፤ ባህርዳር፤ ጂንካ፤ ኣርባ ምንጭን ፍቼን ምክያዱ ይዝከር፣