Wednesday, October 2, 2013

ኣብ ክልል ኣማሓራ ዝርከቡ ኣምሓደርቲ ወረዳን ካቢኔታትን ብዛዕባ ኣብ ቀፃሊ ንዝካይድ መረፃ ከዕወቶም ዝኽእል ሽጣራታት ንምእላም ኣኼባ ኣብ ምክያድ ከም ዝርከቡ ተሓቢሩ፣



እቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ኣብ ከተማ ፍኖተ-ሰላም ካብ 10 መሰከረም 2006 ዓ/ም ጀሚሩ ናይ ወረዳ ኣማሓደርትን ካቢኔታታን  ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ ብናይቲ ዞባ ኣማሓዳርን ኣዲሱ ለገሰን ይምራሕ ከም ዘሎ ካብቲ  ከተማ ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ፣

   እቶም ነቲ ኣኼባ ዝመርሑ ልኡዃት ስርዓት ወያነ ናብቲ ኣኼባ ከም ቀንዲ ኣጀንዳ ሕዘሞ ካብ ዝቕረቡ። “ኣብ 2007 ዓ/ም ዝካየድ መረፃ  ብፍላይ  ንዓና ንኢህወዴግ ናይ ሞትን ሕውየትን ስለ ዝኾነ ነዚ ንምትግባር ካድረታትን ኣባላትን ጠንክርና ብምንቅስቓስ ዝተፈላላዩ ሚላታታን ተጠቒምና ክንዕወት ካብ ብሕዚ ኣትሒዝና ክንሓስበሉ ይግባእ” ብምባል ስግኣት ዝመልኦ ሓሳብ ከም ዝተዛረቡ ካብ ተሳተፍቲ እቲ ኣኼባ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ፣

    ኣስዒቦም እቶም መራሕቲ መድረኽ። ህዝቢ ኢትዮጵያ ካብ ዝሓለፉ እዋናት ብዝኸፈአ  ኣንፃርና ተልዒሉ ኣሎ። ነዚ ንምፍሻል ድማ ሓደ ንሓሙሽተ ኣወድድብና ብገንዘብ ይኹን ብኻልእ ጥቕማ ጥቕሚ ብምሃብ  ነዚ ኣንፃር ስርዓትናን ውድብናን ዝግበር ዘሎ ተቓውሞ ሲዒርና ክንወፃእ ቃል ክንኣቱ ኣለና ክብሉ ብግልፂ ኣብቲ  ኣኼባ ምዝራቦም እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ገሊፁ፣