ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ዝርከቡ ኣዘዝቲ ፖሊስ ካብ 14 ጥቅምቲ
2005 ጀሚሮም ሃንደበት ኣብ ዝተፀወዐ ኣኼባ ተፀሚዶም ዝርከቡ ኮይኖም። ምኽንያቱ መፀዉዒ እቲ ኣኼባ ግልፂ እኳ እንተዘይኮነ
ኣብቲ ከባቢ ኣንፃር ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ተቓዉሞታት እናገደደ ይኸይድ ብምህላዉ። ንዕኡ ንምቁፅፃር
ዝዓለመ ክኸዉን ከም ዝኽእል ገለ ምንጭታና ዘዘራረብዎም ወገናት ይገልፁ፣
ብካልእ ወገን ኣብ ከተማ ባህርዳር
ዝርከብ ሰራሕተኛታት ፋብሪካ ጨርቃ ጨርቂ ብተደጋጋሚ
ዘቕረብዎ ሕቶ ወሰኽ መሃያ ብዝምልከቶም ኣካላት ኣወንታዊ ምላሽ
ክረኽቡ ብዘይምኽክኣሎም። ብ15 ጥቅምቲ 2006 ዓ/ም ነቲ ዘበገስዎ ሕቶ ኣጠናኺሮም ከም ዝቐፀልሉ ነቶም ሰራሕተኛ መሰረት ጌሩ
ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣፍሊጡ፣
እቶም ሰራሕተኛ ነቲ ሕቶ ወሰኽ መሃያ ከልዕሉ ዘገደዶም ቀንዲ ምኽንያት እቲ
ዝኽፈሎም ደሞወዝ ምስቲ ዘሎ ህሉዉ ዋጋ ዕዳጋ ሓለቕቲ መግብታታን ክዳንን ምስቲ በብእዋኑ ብዝተፈላለየ ኣሽማት እናተዋሃቦ
ዝመሓዝ ዘሎ ምዋጮታትን ተደማሚሩ መነብብርኦም ብዕሊ ክመርሑ ብዘይምኻሎም ንባዕሎምን ስድረኦምን ኣብ ከቢድ ፀገም ማሕበራዊ
ህይወት ብምዉዳቖም እቲ ሓበሬታ ወሲኹ የረድእ፣