Monday, October 28, 2013

ንኢ-ዴሞክራስያዊ ምሕደራ ስርዓት ኢ.ህ.ወ.ዴ.ግ ተቓዊሞም ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ሃገርና ዝመፁ መናእሰይ። ኣብዚ ሰሙን እዚ ናብ ዴምህት ተፀምቢሮም፣ ንገሊኦም ንምጥቃስ።





* ተስፋይ ገብራይ ወልዱ፤ መርሃዊ ሃፍቶም፤ ኣንገሶም በየነን ጣዓመ ኪዳነን ካብ ዞባ ምብራቅ ወረዳ ኢሮብ ጣብያ እንዳልጌዳ ቁሸት ዓዉዳን ዳብረን፣

*   ሰመረ ታደግ ዑቑባይ፤ ሃፍቶም መዓሾ ክፍለ፤ ተኽልያ ይብራህ  ገብራይ፤  በረኸት ጋይም ገብራይ፤ ጉርጃ ሃይለ ኣርዓዶምን ፍቕረ ፍሻለ ተላን ካብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ዓዲ ዳዕሮ ጣብያ ዓዲ ክልተ ቁሸት ገዛ ሰቃ። 

*  ማጃ ረዳእ ገብረዋህድ ካብ ሴ/ምዕራብ ወረዳ ዓዲ ዳዕሮ ጣብያ ጠረር ቁሸት ዓዲ ማእምን፣

*  ሃፍቶም ገብረእዝጊኣብሄርን ተኽለኣብ ከሰተን ካብ ሰ/ምዕራብ ወረዳ ዓዲ ዳዕሮ ጣብያ ዓዲ ክልተ ቁሸት ደብሪ

*  ተኽሊት ገብረስላሴ ኪዳነ ካብ ወረዳ መረብ ለኸ ጣብያ ደብረ ሓርማዝ ቁሸት ዓዲ ሰመረኣብ።

*  ረደሀይ ነጋሲ ካብ ወረዳ መረብ ለኸ ጣብያ ኣሳይመ ቑሸት ዓዲ ሰላም።

*  ግደይ ሃይለ ወለገብሪኤል ዞባ ማእኸል ጣብያ ማይ ወዲ ዓምበራይ ቁሸት ዓዲ ገባት።

*  ገብረሂወት ገብረስላሴ ካብ ወረዳ ኣሕፈሮም ጣብያ ሰምሃል ቁሸት እንዳርጋብ

*     ባህበሎም ገብረመድህን ካብ ወረዳ ኣሕፈሮም ጣብያ ዕርዲ ጀጋኑ ቁሸት ዓዲ ቆለይቶን እንትኾኑ  እዞም መናእሰይ ምስ ዉድብ ዴሞክራስያዊ ምንቅስቃስ ህዝቢ ትግራይ /ዴምህት/ ተፀምቢሮም ኣንፃር ጉጅለ ስርዓት ኢህወዴግ ዕጥቃዊ ቃልሲ ክካይዱ ዘገደዶም ምኽንያት እንትገልፁ።

    እቲ ንመስዋትን ስንክልናን ደቂ ህዝቢ ተበሊፁ ብዘይ ደገፍ ህዝቢ ስልጣን ሑዙ ዝርከብ ጠላም ስርዓት ህወሓት-ኢህወዴግ። ነቲ ኣስካሕካሒ ግፍዕታቱ ኣብ መላእ ህዝብና ኣበርቲዑ ይቅፅለሉ ከም  ዘሎ ድሕሪ ምግላፅ። “ነዚ ፀረ ህዝቢ ንምእላይ ድማ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ እጃምና ንምብርካት ናብ’ዚ ህዝባዊ ዉድብ ዴ.ም.ህ.ት ተፀምቢርና ኣለና” ኢሎም፣