Thursday, October 3, 2013

ይስራሕ ኣሎ ናብ ዝበሃል ፋብሪካ ሽኮር ዉልቃይት መኪና ሒዞም ዝመላለሱ መራሕቲ መኪናን ሓለፍቲን ኣብ ስርቅን ወረራን ተዋፊሮም ከም ዝርከቡ ካብቲ ቦታ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣



ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ከባቢ ወልቃይት ይስራሕ ኣሎ እናተባሃለ ብሚድያታትን ሰበ ስልጣንን ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ብዙሕ ይዝረበሉ እኳ እንተሎ። ብሽም ንመስርሒ እቲ ፋብሪካ ተባሂሉ ብሃፍቲ ህዝቢ ተዓዲጉ ዝለኣኽ ንብረት ናብቲ ትካል ከይበፀሐ ኣየር ብኣየር ኣብ መንገዲ እናተሸጠ ኣብ ረብሓ ውልቀ ሰባት ይዉዕል ብምህላዉ። እዙይ ዝበሃል ስራሕ ከይተሳለጠ ይጓተት ኣብ ዘለሉ ልዕሊ መጠን ወፃእታት ተጌሩ ከም ዘሎ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ፣
ኣስዒቡ እቲ ሓበሬታ ከም ዘረድኦ። ኣብዚ ቅንያት ንመስርሒ ፋብሪካ ሽኮር ወልቃይት ክዉዕል ተባሂሉ ዝተዓደገ ሲሚንቶ ፅዒና ትጓዓዝ ዝነበረት ኮድ 3-00888 ዝኾነት መኪና። ኣብ ሽረ ምስ በፀሐት ናብ እንዳ ኣቶ ረዘነ ዝተበሃለ መኻዚኖ ፅዕናቶ ዝነበረት ሲሚንቶ ሓለፍቲ እቲ ይስራሕ ከምዘሎ ዝዝረበሉ ፋብሪካ ሽኮርን ምስ መራሒ መኪና ብምምሽጣር ክራገፍ ከምዝገበሩ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣
 እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናብቲ ትካል ንብረት ፅዒና ትጓዓዝ ዝነበረት ኮድ 3-22494 ኢት ዝዓይነታ መንግስታዊት መኪና ድማ። ኣብ መቐለ ትራንስ እናተባሃለ ኣብ ዝፅዋዕ መዕደሊ ነዳዲ ዝተመለአ ነዳዲ። ኣብ’ቲ ተጎታቲ ዝነበረ ነዳዲ ፈሲሱና ብዝብል ምኽንያት ሸይጦም ንውልቀ ጥቕሞም ከም ዘውዓልዎ ተፈሊጡ፣
 ከም ዝፍለጥ ኣብ ዝሓለፈ ዜናና ብሽም መስርሒ ፋብሪካ ሽኮር ወልቃይት ዝዕደጉን ዝለኣኹን ንብረታት ኣብቲ ቦታ ከይበፅሑ ብሓለፍቲ ዉልቀ ሰባት ተደጋጋሚ እናተሸጠ ይጠፋፋእ ከም ዘሎ ምግላፅና ይዝከር፣