ብመሰረት
እቲ ሓበሬታ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ደብረማርቆስ ንዝርከቡ ተማሃሮ መግዝኢ ኣስበይዛ ተባሂሉ ብመንግስቲ ዝተሰለዐ ገንዘብ ብምምሕዳር
እቲ ዩኒቨርሲቲ ይጠፋፋእ ከም ዘሎ ድሕሪ ምግላፅ። ብበዝሒ ብቁፅሪ’ቶም ተመሃሮ መሰረት ጌሩ ካብ ዝተፈቐደሎም 80 ኪሎ ስጋ።
ብፍርቂ ተቐኒሱ 40 ኪሎ ጥራሕ ክግዛእ ብምግባር እቲ ዝተረፈ ኣብ ውልቃዊ ረብሓታቶም ከም ዘውዓልዎ ተፈሊጡ፣
ተምሃሮ ንግዕዙይ ምሕደራ እቲ ዩኒቨርሲቲ ብምቅዋም ዝተመደበ ባጀት
ተማሃሮ ኣብ መዓልኡ ኣይዉዕልን ዘሎ ብምባል። ብ12 ጥቅምቲ 2006 ዓ/ም ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ጥርዓኖም ዋላ’ኳ እንተቕረቡ።
እቶም ጥርዓን ዝተቐበሉ ሰበ ስልጣን ካብቲ ዝተጠፋፈአ ገንዘብ ተኻፈልቲ ስለ ዝኾኑ ግቡእ ምላሽ ብዘይ ምሃቦም ተማሃሮ እቲ
ዩንቨርስቲ ክሳብ ሕዚ መረርቶም ኣብ ምስማዕ ከም ዝርከቡ ተገሊፁ፣
ብግዕዝይና ዓይኑ ዝዓወረ ምሕደራ እቲ ዩኒቨርሲቲ ካብ ቀይሕ መስቀል
ብሓገዝ ዝተረኸበ ኮበርታ ኣብ ኢድ ተማሃሮ እንተይበፀሐ ኣየር ብኣየር ሸይጦም ከም ዝበልዕዎ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ። በዚ ክዓግቡ
ዘይከኣሉ ሰበስልጣን ካብ ሕድ ሕድ ተምሃራይ 10 ብር ብዝተዋፀአ ገንዘብ ዝተዓደገት ኣምቡላንስ። ንተማሃሮ ዝኾነ ኣገልግሎት
ከይሃበት ካብ’ቲ ዩኒቨርሲቲ ዝተሰወረት ኮይና። እቶም ሰበ ስልጣን ንውልቃዊ ስራሕቶም ይጥቀሙላ ኣለው ዝብል ሓበሬታ ብሰፊሑ
ከምዘሎ ካብቲ ከባቢ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፣