ምንጭታትና ዝለኣኹልና ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ
ኣብ ወረዳ በራሕለ ከባቢታት ባዳ ዝርከቡ ናይ 21 ክ/ሰራዊት 8ይ ሬጅመንት ዝኾኑ ኣባላት ሰራዊት ወያነ ንደቂ ኣነስትዮ ናይቲ
ከባቢ የበሳብስወን ከም ዘለው ድሕሪ ምግላፅ ብ29 ሓምለ 2006 ዓ/ም ናይቲ ሬጅመንት ኣባል ዝኾነ ሓለቓ ሚኢቲ መሓመድ ዝተብሃለ
መኮነን ንሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ንፆታዊ ርክብ ሓቲትዋ ብምእባያ ጥራሕ ዝፈፀመቶ ገበን ዘይብላ ከም ዝኣሰራ ተፈሊጡ።
ብተግባር ናይቲ ሓለቓ ምኢቲ ዝነደሩ ቤተሰብ ናይታ ጓልን ሕብረተሰብ
ናይቲ ከባብን ናብ መዓስከር ናይቶም ወተሃደራት ብምኻድ ብሓደ ድምፂ ተቓውሞ ምስ ኣልዓሉ እቲ በደለኛ ሓለቓ ሚኢቲ ድማ
ንኣባላቱ በልዎም ኣባርርዎም ስለ ዝበሎም ጠያይቲ ብምትኳስ ሰለስተ ሰለማውያን ሰባት ቖሲሎም ናብ ሆስፒታል ዓይደር ተወሲዶም
ይሕከሙ ከም ዘለውን ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
እቲ
ኣብ ገዛእ መረበቱ ዝበሳበስ ዘሎ ሕብረተሰብ እቶም ብጥይት ሰባት ዝወቕዑ ወተሃደራት ብሕጊ ክንሓቶም ኢና ኣረክቡና ኢሎም ኣብ
ዝሓተቱሉ ላዕለዎት ሓለፍቲ ናይቲ ሬጅመንት ኣይነረክብን ብምባል ነቶም ገበነኛታት ወተሃደራት ካብ በራሕለ ብመኪና ናብ ዓዲ
ግራት ወሲዶም ስለ ዝሓብኡዎም ኣብቲ ከባቢ ሓያል ወጥሪ ተፈጢሩ ከም ዘሎን ክሳብ ሕዚ ክሃድእ ከም ዘይከኣለን እቲ ሓበሬታ
የመልክት።