Friday, November 29, 2013

ነበርቲ ከተማ ሽረ-እንዳስላሰ ብስእነት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ሃለክቲ ምግብታትን ኣብ ፀገም ከም ዝርከቡ ምንጭታትና ካብ’ታ ከተማ ተሓቢሮም፣



ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሽረ ዝነብር ሕብረተሰብ ብስእነት መሰረታዊ ቀረባት ከም ሽኮርን ዘይትን ዝኣምሰሉ መዓልታዊ ጠለባት በቲ ስርዓት መከፋፈልቲ ኣብ ዝተበሃሉ ድንኳናት ብምስኣኑን። ከምኡ’ዉን ብሕፀረት ማይን መብራህትን  ንከቢድ ፀገም ተቓሊዖም ዝርከቡ ኮይኖም፣
 ብፍላይ ወነንቲ ዓበይቲ ትካላት  ብሰንኪ ሕፅረት ማይን ኤሌክትሪክን መዓልታዊ ኣብ ልዕሊ ምኽሳሮም መፅናዕቲ ብዘይብሉ ብኣድልዎ መጠኑ ዝሓለፈ ግብሪን ቀረፅን ኣስካሕክሖም ከም ዘለዉ ካብቲ ከተማ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ፣

ካብ’ቲ ዞባ ከይወፃእና ኣብ ከተማ ሸራሮ  ልዕሊ 300  ዝኾኑ  ብዲግር ዝተመረቑ ተምሃሮ ብሰንኪ ስእነት ስራሕ ሸከም ስድራ ቤትን ሃገርን ከም ዝኾኑ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ። ኣብ ምንፃፍ እምኒ ተዋፊሮም ዕለታዊ ምግቦም ከይእምርሩ ተባሂሉ ን40 መዓልቲ ዝወሰድዎ ስልጠና እንተኾነ’ውን። ንኸይሓልፉ ኮነ ተባሂሉ ምስቲ ስራሕ ዘይዛመድን ዘይተማሃርዎ ሕቶታትን ብምድላው በቲ ምምሕዳር ክወድቁ ከም ዝተገብረ ዝተረድኦም ሰልጠንቲ ተማሃሮ። ኣብ ልዕሊ እቲ ምምሕዳር ተቓዉሞ ብምልዓል ሓያል ህዉከትን ዕግርግርን ተወሊዑ ከም ዘሎ  ምንጭታና ገሊፆም፣

ብተወሳኺ  ኣብ ከተማ ሸራሮ ዘይቲ ይኹን ሽኮር ካብ ዕዳጋ ጠቕሊሉ ብምጥፍኡ ህዝቢ መረረቱ ኣብ ምግላፅ ከም ዝርከብን  ዝጊድ ሰማዒ ከምዘይረኸበን ተፈሊጡ፣