Wednesday, November 13, 2013

ኣብ ስልጣን ዝርከብ ጉጅለ ህወሓት-ኢህወዴግ በብከተምኡ ዘለዉ ተማሂሮም ስራሕ ዘይረኸቡ መናእሰይ ን2007 ዓ/ም መረፃ ዓብዪ ስግኣት ኮይኖሞ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ፣




ዝተማሃረን ትኩስ መንእሰይ ሓይልን  ኣግሊሉ ሃገር ይመርሕ ኣለኹ ዝብል ዘሎ መንግስቲ ኢህወዴግ። ኣብ ሕድሕድ ከተማታት ስራሕ ስኢኑ ዕድመ ህይወቱ ብኾንቱ ዘሕልፍ ዘሎ ብ10ታት ኣሻሓት ዝቑፀር መንእሰይ ንህልዉና ስልጣኑ ዓብዪ ስግኣት ኮይንዎ ከምዘሎ፤ ብፍላይ ከኣ እቲ ዝበዘሐን ብቐሊሉ ተወዲቡ ሓደ ለዉጢ ከምፅእ ይኽእል እዩ ዝብል ዓብዪ ግምት ተዋሂብዎ ዘሎ። መንእሰይ ነባሪ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝኾነ ካብ ዉሽጢ እቲ ስርዓት ልሒኹ ዝበፀሓና ሓበሬታ የመልክት፣
ኣስዒቡ እቲ ሓበሬታ። ኣብ ከተማ ኣዲስ-ኣበባ ስራሕ ስኢኑ ከርተት ዝብል ዘሎ መንእሰይ ኣብ ዝመፅእ ዓመት 2007 ኣብ ዝካየድ ሃገራዊ መረፃ ንኢህወዴግ ክመርፁ ከም ዘይኽእሉ ብላዕለዎት መርሕነት እቲ ስርዓት ተገምጊሙ ስለ ዘሎ። ቅድሚ እቲ ስርዓት ምሉእ ንምሉእ ንክምረፅ ዝተታሓዘ ዉጥን ምስንኻሎም። ንሕና ዘለና ስልጣን ተጠቕምና ንቐድሞም ዝብል ዉሽጣዊ መምርሒ ብ28 ጥቅምቲ 2006 ዓ/ም ነናብ ዝምልከቶም ኣካል ዝተመሓላለፈ እንትኾን። ዝኾነ ኣብ ኣዲስ አበባ ብዘይስራሕ ዝንቀሳቐስ ኣብ ላዕለዎት ትካላት ዝተመሃረ መንእሰይ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስ ጥቡቕ ክትትል ክግበረሉን ኣንፃር እቲ ስርዓት ኮይኑ እንተተረኺቡ ተታሒዙ ካብ’ታ ከተማ ክባረርን ተወዲኡ ከም ዘሎ ኣረዲኡ፣
እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ። ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ፀገም ስነ-ኣእምሮ ዘለዎም ወገናት ግዜን ቦታን ብዘይምፍላይ በብዝተረኸብዎ ብሓይሊታት ፀጥታ እናተኣረዩ ክእሰሩ ይግበር ከም ዘሎን። ከም ምኽንያት ናይ’ዚ ከኣ ብኣሸበርቲ ዝለኣኹ ልእዃት ፀገም ስነ-ኣእምሮ ዘለዎም እናመሰሉ ይሰልኩና ኣለዉ ብዝብል ሽርሒ ከም ዝኾነ እቲ ሓበሬታ ኣብ መወዳእታ ኣረዲኡ፣