ህንፀት ግድብ ኣባይ
ኣብ ዝተጀመረሉ ግዜ ዝኾነ ስራሕቲ ንግዲ ከፊቱ ኣብ’ቲ ቦታ ክንቀሳቐስ ዝደሊ ሰብ ብዘይዝኾነ ግብሪ መንግስቲ ነፃ ኮይኑ
ክሰርሕ ከም ዝኽእል ብደረጃ መንግስቲ ምስ ተነገረ። ካብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ሃገርና ብርክት ዝበሉ ዜጋታት መነባብርኦም
ንምድፋእ፦ ቤት ምግብን መስተን፤ ሸቐጣ ሸቐጥን ካልኦት ስራሕቲ ንግዲ ከፊቶም ክንቀሻቐሱን ንዝፀንሑ ዜጋታት መጠኑ ዝሓለፈ
ግብሪ ብሰበስልጣን እቲ ስርዓት ክፈሉ ስለ ዝተበሃሉ፤ ብፀሓይን ቁሪን እናተገረፍና ዘጠራቐምናዮ ገንዘብ ንዓኹም ኣይነረክበኩም
ብምባል ነቲ ቦታ ራሕርሐሞ ይወፁ ከም ዘለዉ ዝበፀሐና ሓበሬታ የረድእ፣
ካብቶም ግዚያዊ
መናገዲ ገዛ ተኺሎም ክሰርሑ ዝፀንሑ ልዕሊ ዓቕምና ግብሪ ኣይንኸፍልን ብምባል ንብረቶም ጠቕሊሎም ናብ መረበቶም ካብ ዝተመለሱ
ንምጥቃስ።-
Ø ወ/ሮ ሮማን ወናኒት ቤት ምግቢ 45 ሽሕ ብር ክፈሊ ዝተበሃላ።
Ø ኣይተ ግሩም ታፈስ ወናኒ ቤት ቁርሲ 28 ሽሕ ብር ክፈል ዝተበሃሉ።
Ø ኣይተ ካሕሳይ መስፍን ካብ ሽረ ከይዶም እንዳ-ኤሌክትሮኒክስ ዝኸፈቱ 70 ሽሕ ብር ክፈል
ዝተበሃሉ።
Ø እናኑ መገርሳ ካብ ኦሮሚያ ዝኸዳ ወናኒት ግዝያዊ ሆቴል ዝነበራን ካልኦት ብርክት ዝበሉ ሰባትን
በቲ ዘይርትዓዊ ግብሪ ተማሪሮም ናይ ንግዲ ገዝኦም ኣፍሪሶም ንብረቶም ጠቕሊሎም ካብቲ ቦታ ዝወፁ እዮም፣
እዚ ከምዚ ኢሉ
እናሃለወ ኣብ ግድብ ኣባይ ብጉልበቱ ንዝሰርሕ ዘሎ ህዝቢ ኣብዚ ለማቕነ ልኡዃት እቲ ስርዓት ኣኼባ ጌሮም። ኣሸበርቲ ናብ
ዉሽጢኹም ሰሊኾም ከጥቅዕኹም ስለ ዝኽእሉ ተጠንቀቑ እናበሉ ስለ ዘፈራርሕዎም። ዉሑድ ዘይበሃል ሰራሕተኛ ዕለታዊ ድራሩ
ክምእርረሉ ዝፀንሐ ስራሕ ገዲፉ ንዓዱ ይምለስ ከም ዘሎ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ፣