ኣብ ስልጣን ዝርከብ
ጉጅለ ስርዓት ህወሓት-ኢህወዴግ ካብ ዘለዎ ዉሽጣዊ ስግኣት ነቒሉ ንመላእ ህዝብታት ሃገርና ቆሪኑ ንምሓዝን ምቁፅፃርን ክጥዕሞ።
ኣንፃር ህዝቢ ዝቐነዐ ተግባራት ሽበራ ንምፍፃም ኣብዚ እዋን ዝተወደአ ነገር ከም ዘሎ በፂሐዮ ኣለኹ። ኣበይን መዓዝን ተግባራዊ
ከም ዝኸዉን ግን ገና ስለ ዘይተበፅሐ ነዚ ንምቁፅፃር ክጥዕም ዝኾነ ዜጋ ለይትን መዓልትን ክጥንቀቕ ከባብኡ ክቆፃፀር ነንባዕሉ
እንተኾነ’ዉን ክተኣማመን ከም ዘይብሉ ብዘመሓላለፎ መምርሒ መሰረት። ህዝቢ ኣብ ዉሽጢ ገዝኡን ስድርኡን እንተይቀረየ እምነት
ስኢኑ። ኣብ ዓብዪ ወጥርን ጭንቀትን ወዲቑ ዕለታዊ መነባብርኡ ንምምራሕ ተፀጊሙ ከም ዘሎ ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ
ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ፣
ኣብ ክልል ትግራይ
ዝርከቡ ኣመሓደርቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ወረዳታትን ጣብያታትን ዝነብር ህዝቢ ብሽም ሽበራ ቀልቡ ንምስሓብ ብዙሕ ሜላታት እናተጠቐሙ
የጨንቕዎ ከም ዘለዉ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ። ብፍላይ ከዓ እቲ ሕዚ ሕድ ሕድ ምንቅስቓስ ሰብ ንምቁፅፃር ከም ቀንዲ ሜላ ዝጥቀምሉ
ዘለዉ። ንዕድመ ስልጣኖም የስግእ ኣብ ዝበልዎ ዓድታትን ከተማታትን ዝርከብ መንገዲ-ፅርግያን ክሳዳትን ኬላታት ከፊቶም ካብን
ናብን ዝንቀሳቐስ ወገን ብፅዑቕ ሕቶ እናዋጠሩ ፈተሻ የካይድሉ ከም ዘለዉ ገሊፁ፣
ካብተን ኬላታት
ተተኺሉለን ሰፊሕ ሓለዋ ዝካየደለን ዘለዋ ዓድታት ንምጥቃስ።
ዉቕሮ-ክልተ-ኣዉላዕሎ፤ ኣጉላዕ፤ ስንቃጣ፤ ዛላምበሳን ካልኦት ዘይተጠቐሳን ዘካተተ እንትኾን። ካብኡ ብዘይንእስ ኣብ መንግስታዊ
ትካላትን ኣብያተ ፅሕፈትን’ዉን ከቢድ ክትትልን ፈተሻን ይካየድ ከም ዘሎ እቲ ዝበፀሐና ሓበሬታ ወሲኹ ኣገንዚቡ፣