Friday, November 29, 2013

ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሃገርና መፅኦም ኣብ ጉልበት ሰራሕን ካልኦት ሸቐጣትን ዝተዋፈሩ ወገናት ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ብፌዴራል ፖሊስ ካብ ስርሖም ከም ዝተፈናቐሉ ምንጭታትና ገሊፆም፣



እቶም ብፌዴራል ፖሊስ ግፍዕታት ዝወርዶም ዘለዉ ዜጋታትና። ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ኣብ  ዞባ ምዕራብ ትግራይ ስራሕ ኣሎ ኢሉ ብምእዋጅ ካብ ዝተፈላልዩ ከባቢታት ሃገርና ንዘምፀኦም ብኣሻሓት ዝቑፀሩ መዓልታዊ ሰራሕተኛታት። ተገልቢጡ ንተቓወምቲ ውድባት ትተሓባብሩ ኣለኹም ብምባል እናቐጥቀጠ ኣብ ምክልባት ተፀሚዱ ከም ዘሎ ንግዳያት መሰረት ጌሩ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ፣

እቲ ሓበሬታ ወስኹ። ብፍላይ ኣብ ከባቢታት ማይ ካድራ፤ ሉጉዲ፤ ባናት፤ ዓውደ ራፍዕ፤ ኣብ ጉልበት ስራሕ ዝተዋፈሩ ሸቃሎ ፌዴራል ፖሊስ ኣብ ሓደ ቦታ ኣኪቦም። ናብዚ ዝመፃኹም ክትሰርሑ ዘይኮንኩም ምስ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘካይዱ ተቓወምቲ ክትተሓባሩ ኢኹም ብዝብል ፀለመ ምኽንያት ጌሮም ይድብድብዎምን የገላትዕዎምን ከም ዘለዉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣

ኣብ ከተማ ሑመራ ከባቢ መናሃርያ እንተኾነ’ውን ድንኳናት ከፊቶም ኣብ ስራሕ ንግዲ ክዳን መሸጢ ቡቲክ፤  ቤት ቁርስን ሻሂን  ካልኦት ንግድን ተዋፊሮም መናብሮኦም ዝመርሑ ዝነበሩ ዜጋታትና። ብ17 ሕዳር 2006 ዓ/ም ብብሓይሊታት ፀጥታን ካድረታትን እቲ ስርዓት ብምትሕብባር ካብ ዝሰርሕሉ ትካሎም ኣባሪሮም ምስ ንብረቶም ኣብ ማእኽል ጎደና ስለ ዝደርበይዎም ግዳይ ፀሓይን ቁርን ከም ዝኾኑ እቲ ዝበፅሓና ሓበሬታ ገሊፁ፣

 ኣብ ርእሲ እዙይ ኣብ ከተማ ሑመራ ኣጋጢሙ ብዘሎ ሕፅረት ዝስተ ፅሩይ ማይ። ነበርቲ ፅሬቱ ካብ ዘይሓለወ ሩባ ተከዘ ዝተቐደሐ ማይ ንፊስቶ ብሒሳብ 30 ብር እናዓደጉ ይጥቀሙ ኣብ ዘለዉሉ። ብርክት ዝበሉ ነበርቲ ብማይ ወለድ ሕማማ ተጠቒዕም ኣብ ስቓይ ከም ዝርከቡ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣገንዚቡ፣