Thursday, November 7, 2013

ኣብ ከተማ ሸራሮ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ብሽም ልምዓት ገንዘብ ካብ መሃይኦም ንኽቑረፅ ዝቐረበሎም መፀዋዕታ ከም ዝነፀግዎ ተሓቢሩ፣




ብሰበስልጣን እቲ ስርዓት ብ22 ጥቅምቲ 2006 ዓ/ም ንሰራሕተኛታት መንግስቲ ከተማ ሸራሮ ኣኼባ ዝተገብረ እንትኾን። ኣጀንዳ ናይቲ ኣኼባ ድማ ሓለፍቲ ኣብያተ ፅሕፈት ካብ ደመወዞም 15%  ንታራ ሰራሕተኛታት ድማ 10% ሚኢታዊት ብሽም ልምዓት ክቑረፅ ኣብ ዘዉረድዎ ትእዛዝ እቶም ሰራሕተኛታት ከም ዘይተቐበልዎ ተፈሊጡ።

  እቶም ኣብ ከተማ ሸራሮ ዝርከቡ ስራሕተኛታት መንግስቲ ብዝተፈላልዩ ኣሽማት እናተውሃቦም ካብ ዝረሃፅናሉ መሃያ ዝቑረፅ ዘሎ ገንዘብ ከይኣክል። ሕዚ’ዉን እተን ዝተረፈ ኣብ ኢድና ከይኣትዋ መልእኹም ክትወስድወን ምሕሳብኩም እንታይ በልዕና ክንሰርሕ ስለ ዝሃሰብኩም ኢኹም ክብሉ ኣብቲ መድረኽ ብምረት ተቓውምኦም ከም ዘስምዑ ምንጭታትና ካብ’ታ ከተማ ኣፍሊጦም።

    በቲ ዝግበር ዘሎ ዘይሓላፍነታዊ ኣሰራርሓ ዝሓዘኑ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ከተማ ሸራሮ ካብ ወገሐ ፀብሐ ካብ መሃያኹም ክንድዚ ቁረፁ እናበልኩም ተኸኸ ተብሉና። ደሞወዝ የብልኩምን ኢልኩም ኣፍልጦ ሃቡና ንሕና’ዉን ብዘይ ደሞወዝ ንስራሕ ከም ዘለና ክንፈልጥ ክብሉ ነቲ ብኣማሓደርቲ  ናይ’ታ  ከተማ ዝቐረበ ሓሳብ ብግልፂ ከም ዝተቓወምዎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣