Monday, November 4, 2013

ነጋዶ ከተማ ሸራሮን ኣመሓደርቲ ጉጅለ ህወሓት-ኢህወዴግን ኣዚዮም ብምርሕሓቖም ክረዳድእሉ ኣብ ዘይኽእሉ ደረጃ በፂሖም ከም ዘለዉ ተሓቢሩ፣




ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ከተማ ሸራሮ ኣብ ስራሕቲ ንግዲ ተዋፊሮም ዝርከቡ ወገናት በቲ ስርዓት ብዝወርዶም ዘሎ ርትዓዊ ዘይኮነ ምኽፋል ግብርን ናበይ ከም ዝኣቱ ዘሎ ዘይፍለጥ ቀፃሊ መዋጮን ሳንሳን ኢሎም እንፅርፅሮቶም ወዲኦም ኣብ ዘለዉሉ። ነዚ መሸፈጢ ብ22 ጥቅምቲ 2006 ዓ.ም ኣመሓደርቲ እታ ከተማ ኣብ ዝፀዉዕዎ ኣኼባ ንዝተረኽቡ ነጋዶ ብሓደ ተወዲብኩም ክትሰርሑ መንግስቲ ባይታ ከጣጣሓልኩም ተዳልዩ ኣሎ ንዝብል ሓሳብ እቶም ተኣከብቲ ብግድኦም ንሕና ሎሚ ይኹን ፅባሕ ንዉደበሉ ምኽንያት የብልናን ዝነበረ መናገዲ ገንዘብና ብኣኹም ተመንዚዑ ጥራይ ኢድና ምስ ተረፍና ተዳናገፅቲ ክትመስሉ ኣይትፅዓሩ ምሳኹም ካብ ሕዚ ንዳሓር ርክብ የብልናን ክብሉ ብትሪ ከም ዝመለስሎም ንተኣከብቲ መሰረት ጌሩ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ፣

ኣስዒቦም እቶም ነጋዶ ንስኹም ህዝባዉያን መራሕትን ኣመሓደርትን ከም ዘይኮንኩም ኣቐድምና ቀቢፅናኩም ፀኒሕና ኢና ድሕሪ ምባሎም። ሕዚ ቆርበት በጊዕ ተኸድንኩም ክትዕሽዉና ኣይትኽእሉን ጨካናት ተዃሉ ምዃንኩም ሓባሪ ኣይንደልን። እቲ ሕዚ ተወደቡ ትብሉና ዘለኹም ንዓና ሓሊኹም ዘይኮንኩምስ ምቁፅፃርና ክጥዕመኩም ብቐሊሉ ገንዘብና ክትምዝዑን ስለ ዝደለኹም ኢኹም። ብምባል ርእሶም ከድንኑ ከም ዝገብርዎም ተፈሊጡ፣

ኣብ መወዳእታ ካብቶም ልዕሊ 70 ዝኾኑ ነጋዶ ተኣከብቲ ካብ ሕዚ ንዳሓር ንሕና ካባኹም ንደልዮ እንተሎ ናብ ካልእ ዓዲ መሰደዲ ዝኸዉን መታወቅያ ጥራይ እንተ ዘይኮይኑ ምሳኹም ርክብና ኣብቂዑ እዩ ብምባል ኣቶ ወላይን ጨበር ብዝብል ሳጉኡ ዝፍለጥ ነባር ተጋዳላይን ገሊኦም ከምዝኾኑ ተገሊፁ፣