Sunday, December 1, 2013

ኣብ ከተማ ባህርዳር ብኣሰናዳእነት ቤት ፅሕፈት ጥዕና ክልል ኣምሓራን መሻረኽቱ ኣካላትን ብዛዕባ ጉዕዞ 20 ዓመት ጥዕና ክልልና ብዝብል ኣጀንዳ ዝተኻየደ ዘተ ብተቓዉሞ ከም ዝተዛዘመ ተፈሊጡ፣



እቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ባህርዳር ካብ 16 ክሳብ 20 ሕዳር 2006 ዓ.ም ዝተኻየደ ዘተ። ካብ 168 ወረዳታት ዝተዓደሙ ካብ ሕድ ሕድ ወረዳ ቅድመ ግንባር ዝኾኑ መራሕቲ ስድራ፤ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ዝወፁ ጣብያታት ጥዕና፤ ሰሰለስተ ናይ ወረዳ ካቢኔን ሓደሓደ ካብ ጥዕና ኤክስቴንሽን ዝተወከሉ ብጠቕላላ ልዕሊ ክልተ ሽሕ ተሳተፍቲ  ኣብ መእከቢ ኣደራሽ ቃላይ ጣና ዝተረኸቡ እንትኾኑ። ቀንዲ መዛተይ ኣጅንዳ ቤት ፅሕፈት ጥዕና ክልል ኣብ ዉሽጢ ዝሓለፉ 20 ዓመታት ዝሰርሖም ስራሕቲ ማእኸል ዝገብረ ፀብፃብ ምስ ቀረበ። ልዕሊ 10 ዝኾኑ መንግስታዊ ዘይኮኑ ትካላትን ተሳተፍቲ ኣካላትን መፅናዕታዊ ፅሑፋት ንምቕራብን ንምቕባልን ዘተኮረ ዘተ ንምክያድ እኳ እንተነበረ። እቲ ዝተኸተልዎ ኣቀራርባ ፀብፃብ ቅኑዕ ስለ ዘይነበረ እቲ መድረኽ ገና ብገንኡ ናብ ዕግርግር ተቓዉሞን ከም ዘምረሐ ካብ ተሳተፍቲ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣፍሊጡ፣
እቲ ኣቐዲሙ ብቤት ፅሕፈት ክልል ጥዕና ዝቐረብ ጉዕዞ ዝሓለፉ 20 ዓመታት ክልል ኣምሓራ ዝድህስስ ፀብፃብ። መሰረት ብዘይብሉ ኣሃዛት ተድርዲሩ ህዝቢ ብመዳይ ጥዕና ብዙሕ ከም ዝተረብሐን ሓሊፉ ዝተርፍ ኣገልግሎት ዝህብ በዓል ሞያን ትካላትን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቁሸት ከም ዘሎ ኣምሲሎም ዘቕረብዎ እንትኾኑ። ብፍላይ ከዓ ነቲ ተኣካባይ ናብ ተቓዉሞ ከምርሕ ዝገብሮ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣብ መላእ ክልል ኣብ ምክልኻልን ምፍዋስን ሕማማት ልዕሊ 94% ዕቤት ከም ዘመዝገበ ምስ ቀረበ እቲ ተሳታፊ ተቓዉምኡ ከም ዘስመዐ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣
እቶም ተሳተፍቲ ኣብ ተቓዉምኦም ካብ ዝገለፅዎም መሰረታዉያን ነጥብታት። ኣብ ኣብ ክልል ኣምሓራ ወሃብቲ ኣገልግሎት ጥዕና ትካላት ዝሰርሑ ሰብ ሞያ ጥቅማ ጥቕሚ ካብ ደሞወዝ ጀሚርካ ክሳብ ናይ ትምህርቲ ዕድል ኣወህባ፤  ስእነት ፅሬቱን ደረጅኡን ዝሓለወ ቀረብ መድሓኒት፤ ክሕከም ንዘኸደ ሕሙም ኣብ ክንዲ ብሞያኻ ኣገልግሎት ምሃብ ካብ ስነ-ምግባር ወፃኢ ብጉቦን ግብረለይ ክገብረልካን ብህይወት ሰባት ምፃውት፤ ኣዴታት ሰኣን ግቡእ ቆላሕታ ህይወት ክህባ ህይወትን ምስኣን፤ ህንፃናት ብተመሓላላፈቲ ሕማማት ሞት ከይቀነሰ በየናይ ሳይንሳዊ መለክዒ እዩ 94% ዕቤት ተመዝጊቡ ትብሉ ብምባል ኣብ ልዕሊ ፕረዚዳንት ክልል ኣምሓራ ኣቶ ኣያሌው ጎበዜን ነቲ ኣብ ናይ ፓናል ዘተ ዝቐረበ መፅናዕቲ ብምንፃግ ተቓውሞ ብምስማዕ ብዘይምርድዳእ ከም ዝተበተነ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ፣