Sunday, December 1, 2013

ኣብ ከተማ ሽረ-እንዳስላሰ መንበሪ ኣባይቲ ካብ ኣገባብ ወፃኢ ብምምሕዳር እታ ከተማ ይፈርሱ ብምህላዉ። ህዝቢ ብዓበይቲ ፀገማት ይሳቐ ከም ዘሎ ተሓቢሩ፣



ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሽረ-እንዳስላሰ ቀበሌ 01 ፍሉይ ከባቢ ቄራ ንዓመታት ክነብርሉ ዝፀንሑ ልዕሊ 80 ኣባይት ክፈርሱ ከም ዝተብረን። ከምኡ’ዉን ኣብ ቀበሌ 02 ፍሉይ ቦታ ካብ’ታ ከተማ ናብ ኣንፈት ማይ-ኣድራሻ መዉፅኢ ብምምሕዳር ኣፍልጦ ረኺቦም ንዓመታት ተሰርሖም ዝፀንሑ ገዛዉቱ። ከንቲባ ከተማ ሽረ ኣይተ ሃይለ ኣዳነ ምስ ኣዛዚ ፖሊስ ገዛኢ ብምኻን  መፍረሲ ሓይሊ ሓይሊ ሰብ ወድቦም ዋና ኣዉያቶም እናስመዑ እንከለዉ። ብኣስገዳድ ክፈርስ ከም ዝገበሩ ግዳያት ካብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣
እቶም ብዘይ ዝኾነ ቅድመ መጠንቀቕታ መንበሪ ገዛዉቶም ዝፈረሶም ነበርቲ። ብዛዕባ እቲ ልኡዃት መፍረስቲ ሓይሊ እቲ ስርዓት ዝፈረሰ ገዛዉቶም። ካሕሳ ይኹን ተለዋጢ መሬት ስለ ዘይተዋሃቦም ኣብዚ ሕዚ እዋን ሓራሳት ኣዴታትን ህፃናትን ዝርከብዎም ብርክት ዝበሉ ኣባላት ስድራ ቤት። ብዘይ ዝኾነ መፅለሊ ኣብ ማእኸል ሜዳ ተደርብዮም ስለ ዝርከቡ ንዝተፈላለዩ ባህርያዉን ሰብ ስራሕ ፀገማትን ተቓሊዖም ከም ዘለዉ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣርዲኡ።