Saturday, December 7, 2013

ኣብዚ ሰሙን እዚ ብደረጃ ክልል ትግራይ ብዛዕባ ግዕዝይና ዝምልከት ካብ 23 ክሳብ 24 ሕዳር 2006 ዓ.ም ኣብ ከተማ ኣኽሱም ዝተኻየደ ኣኼባ ብዘይ ፈረ ከም ዝተበተነ ምንጭታትና ካብ’ታ ከተማ ሓቢሮም።



እቲ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ክልል ትግራይ፤ ዞባ፤ ሰብ ሞያ፤ ክኢላታት ኦዲት፤ ኣባላት እቲ ስርዓትን ተወከልቲ ህዝብን ዝተረኸብሉ ኣኼባ ብዛዕባ ግዕዝና ዝምልከት ኮይኑ። ካብ 23-24 ሕዳር 2006 ዓ.ም ኣብ ከተማ ኣኽሱም ኣብ ዝተሳለጠሉ ላዕለዋይ ልኡኽ እቲ ስርዓት ኮይኑ ነቲ ኣኼባ ዝመርሖ ኩማ ደመቅሳ ምስ ኣባይ ወልዱ እንትኾኑ። ተኣካቢ ህዝቢ ነቲ ከም ቀንዲ መእከቢ ርእሲ ዘልዓልዎ ግዕዝይና ዝምልከት ዛዕባ ብሓቂ ክፀሪ እንተተደልዩ። መጀመርያ ነቲ መድረኽ ዝመርሑ ሰባት ንባዕሎም ንፁሃት ክኾኑ ኣለዎም እንተዘይ ኮይኑ ሕዚ ንዛረቦ የበልናን ብምባል ነቲ ዝቡዕ ኣካይዳ ከም ዝተቓወሞም ካብ ተሳተፍቲ ልሒኹ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ፣
ኣስዒቡ እቲ ሓበሬታ። ተኣከብቲ ካብ ዘቕረብዎም ሓሳባት ካብ ታሕቲ ክሳብ ላዕሊ ዘለኹም መርሕነት  ህወሓት-ኢህወዴግ  ብግዕዝያ ተቖማጥዕኹም ዝጠልቀኹም ስለ ዝኾንኩም። ብዛዕባ ኣንፃር ግዕዝይና ዝዛረብ ሰብ ከም ዕረ ክመረኩም ንዕዘብ ስለ ዘለና እናፈልጥና ከም ዘይፈለጥና እናረኣና ከም ዘይረእና ክንሓልፈኩም ፀኒሕና ኢና። ሕዚ እንተኾነ እዉን እቲ ሕማም ንሱ ካብ ኣእምሮኹም ኣፅሪኹም ህዝቢ ዘቕረበልኩም ሓቀኛ ነቐፌታ ተቐቢልኩም ክትንስሁ መፂኹም ኢልና ስለ ዘይንኣምን። ንስኹም ከም ተራ ሰብ ኮፍ ኢልኩም ትንቀፍሉን ትግምገምሉን ብካልእ ዘይሻራዊ ሰብ ዝምራሕ መድረኽ ኣኼባ ክዳለዉ ኣለዎ ክብሉ ምግላፆም ኣረዲኡ።
እቶም ኣኼበተኛ ግዕይዝና ዝተጨማለቑ ሰበ ስልጣን እቲ ስርዓት ኢሎም ካብ ዝጠቐስዎም። ባዕሉ ነቲ ኣኼባ ዝመርሕ ዝነብረ ኣባይ ወልዱ፤ ቴድሮስ ሓጎስ፤ ቅድሳን ነጋ፤ ጌታቸዉ ኣስፋዉ፤ ከምኡ’ዉን ኪሮስ ቢተዉ ከባቢ 3.4 ሚልዮን ብር፤ ሚኪኤለ ኣብርሃ ኣመሓዳሪ ዞባ ሴሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ዝነበረ ብግዕዝይና ህዝቢ ምስተ ዛረበ ቦታ ኣማሓይሾም ናብ ዞባ ማእከል ዝተቐየረ 1.8 ሚልዮን ብር ዝበልዑ ከም ዝኾኑን። ንባዕሉ ኩማ ደመቕሳ እንተኾነ እዉን ካብ’ቶም ብግዕዝይና ዝተዘፈቑ ላዕለዎት ስበ ስልጣን እቲ ስርዓት ከም ዝኾነ ብግልፂ ኣብቲ መድረኽ ከም ዘቕረብሉን እቲ ኣኼባ ብዘይ ፍረ ከም ዝተበተነን ካብ ከተማ ኣኽሱም ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።