እቲ ሓበሬታ ከም ዘረድኦ። እቲ ኣብ ዞባ
ምዕራብ ትግራይ ከተማ ዳንሻ ብ24 ሕዳር 2006 ዓ.ም ዝተኻየደ ሰልፊ ዘተሓባበርዎን ዝመርሕዎን ሻለቃ ኣብርሃ ገብረዝጊኣብሄር
ዝተባሃለ ዝርከቦም ነባራት ተጋደልቲ ህወሓት እንትኾኑ። ንሳቶም ብ10ታት ኣሻሃት ዝቑፀሩ ብፆትና ምእንቲ ማዕርነትን ፍትሕን
ኢሎም ተሰዊኦም ንሕና ካብኦም ዘይንውሕድ ድማ ነዚ ረእዩ ኢሉና ንተመሳሳሊ ዕላማ ፍርቂ ኣካልና ምስ ተቖራረፀ ኣብ ማእኸል
በረኻ ተድርብና ኣብ ዘለናሉ። ኣብ ኣሰራርሓ መንግስቲ ብሕግን ኣሰራርሓን መሰረት ዘይኮነ ኩሉ ብግብረለይ ክገብረልካን ኮይኑ ፍትሕን
ርትዕን ብገንዘብ ተሸይጣ ብምባል ነቲ ህዝቢ ኣለዓዕሎም ከም ዘሰለፍዎ ምንጭታትና ካብ ዝላኣኽዎ ሓበሬታ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣
እቲ ልዕሊ 1500 ነባሪ ህዝቢ
ዝተረኽብሉ ዉዕዉዕ ናይ ተቓዉሞ ሰልፊ ንኽለዓል ቀንዲ ምኽንያት ክኸዉን ዝኸኣለ ሓደ ሃለቃ ካሕሳይ ዝተባሃለ ነባሪ ከተማ ዳንሻ
ኣባል እቲ ስርዓት፣ ንወ/ሮ ስላስ ንዝተበሃለት ሰበይቱ ናይ ግብሪ ወረቐት ንምታይ ብድሕረይ ትቕበሊ ብዝብል ምኽንያት ኣሳቢቡ
ብምባእስ። ገዛ ዓፅዩ ብዘስካሕክሕ ግፍዒ ኢዳን እግራን ቆራሪፁ ተባሂሉ ብዝቐረበሉ ክሲ ኣብ ፖሊስ እናተፃረየ እናሃለወ ብመንገዲ
ቤተ ሰቡ። ንዳኛ፤ ዓቃቢ ህግን ፖሊስ መርማሪን ልዕሊ 30 ሽሕ ብር ጉቦ ብምኽፋል ነቲ ዝተኸሰስሉ ከቢድ ገበን ኣብ ቤት ፍርዲ
ቀሪቡ ዉፅኢት ንኸይህልዎ ብዘካየዶ ዘይቅኑዕ ፃዕሪ። ኣብ መጋባእያ ን6 ዓመት ጥራይ ክእሰር ምስ ተውሰነሉ ከም ዝኾነን። ገና
ሕዚ እዉን እቲ ብገንዘብ ዝተዛበዐ ዉሳነ ክሳብ ዘይተስተኸለ እቲ ተቓዉሞ ከም ዘየቋርፅ
ተፈሊጡ።
ካብቲ ዞባ ከይወፃእና ኣብ ወረዳ ፀገዴ
ካብ ዝርከቡ ፖላዊስ ኣብ ጣብያ ሰረቋ ሓደ ሽፍታ ምስ ዓሰርተ ርእሱ ንምህዳን ኢሎም ብ16 ሕዳር 2006 ዓ.ም ኣብ ዘካየድዎ
ወፍሪ ምዉታትን ቁሱላትን ከም ዝኾኑ ተሓቢሩ፣
ብመሰረት እቲ ሓበሬታ። ኣብ ዞባ
ምዕራብ ወረዳ ፀገዴ ጣቢያ ሰርቋ ሽፍታ ንምህዳን ተባሂሎም ብ16 ሕዳር 2006 ዓ.ም ዝተዋፈሩ 2ተ
ፖላዊስ ዝርከብዎም 6ተ ኣባላት ምልሻ
በቲ ስርዓት ተማሪሩ በረኻ ዝወፀ ሽፍታ ምስ ኣባላቱ ኮይኑ ነቶም ዝቖሰሉ ክልተ ፖላዊስን ስለስተ ምልሻን መናእሰይ ኣተሓባቢሩ
ብምልዓል ነባሪ ህዝቢ ኣኪቡ። ሕብረተሰብ ምስ ሽፍታ ትተሓባበሩ ኣለኹም እናበሉ በደል ከዉርዱ ዝፀንሑ እዚኦም እዮም እምበር
ንሕና ኣይኮናን ኢሉ ምስ ኣረደአ። ንክልትኦም ፖሊስ ማለት ምክትል (ረዳት) ኢንስፔክተር ዋሻዉ ከበደን ንዋና ሳጅን ጌታቸዉ
ኤፍሬምን ሽዑ ንሽዑ ክርሽኖም እንተሎ። ንዝቆሰሉ ምልሻ ተስፋይ ማትዮስ፤ ኣሕመድ ከዲርን ኣሳይሀኝ ተጫነዉን ድማ ግዝያዊ
ረድኤት ሕክምና ክረኽቡ ብምግባር ምኽሪን ማዕዳን ሂቡ ከም ዘፋነዎም ካብቲ ሓበሬታ ንምርዳእ ተኻኢሉ፣