Saturday, December 7, 2013

ምዕሩይ ኣወሃህባ ማዕርግ ይሃሉ ብምባል ተቓዉምኦም ዘስምዑ መኮነናት ምክልኻል ሰራዊት ብስዉር ይጭወዩን ይቐተሉን ከም ዘለዉ ካብ ዉሽጢ እቲ ምክልኻል ዝለሓዀ ሓበሬታ ገሊፁ፣



ኣብ ምዕራብ እዝ ክፍለ ሰራዊት 43 ዝርከቡ ኣምራርሓ ሰራዊት። ኣብ ዝዋሃብ ዘሎ ማዕርግ ሚዛናዉነት የብሉን፤ መዕቀኒ መዓርግ እንታይ እዩ ይነፀረልና፤ ብኣገልግሎትን ዉፅኢት ስራሕን እንተዝኸዉን ማዕረ ኣገልግሎትን ዉፅኢት ስራሕን ዘለና ንገልኦም ሂብኩም ንገሌና ድማ ኣትርፍኩምና ዘለኹም ብዝኾነ ይኹን መክልዑ ክርድኣና ኣይከእለን። እዙይ እንተይፈልጥና ዝኾነ ስራሕ ክንሰርሕ ፍቓደኛታት ኣይኮናን ንዝበሉ። ብለይቲ ምንቅስቓሶም ብምፅንታዉ ካብ መደቀሲኦም እናጨወዩ ብምዉሳድ ኣብዙይ ኣትዮም ከይተባሃሉ ተጨዉየም ይሓቁ ከም ዘለዉ እቲ ሓበሬታ ገሊፁ፣
ነቶም በብእዋኑ እናጨወዩ ከሕቒቕዎም ዝፀንሑ መኮነናት ንሰራዊት ከይነቕሐሎም ኣኪቦም እከለ ናብ ተቓወምቲ ዉድባት ከይዱ፤ ናብ ዓዱ ፈሪሑ ጠፊኡ፤ ገንዘብ በሊዑ ከይተሓዝ ሃዲሙ እናበሉ ነቲ ሕማቕ ተግባሮም መሸፈኒ ክጥቀምሉ ዝፀንሕሉ እኳ እንተኾኑ። ኮሌኔል ክሳሁን ዝተባህለ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ንተወለድቲ ክልል ትግራይ ጥራይ መዓርግ ትህብዎም ዘለኹም ንዓይ’ዉን ይግበኣኒ ኢሉ ኣብ ኣኼባ ድሕሪ ምዝራቡ። ብስውር ጨዉዮም ምስ ወሰድዎ ንምሸቱ ጠፍኡ ተባሂሉ ንከባቢ 4 ወርሒ ኣሲሮም ከሳቕይዎ ድሕሪ ምፅናሕ ብ21 ሕዳር 2006 ዓ.ም ተፈቲሑ ናብታ ክፍለ ሰራዊት ምስ ተፀበረ ብዛዕባ እቲ ኣብ ባዕሉ ዝበፅሖን ኣብ ልዕሊ ካልኦት እሱራት ኣባላት ምክልኻል ዝፍፀም ዘሎ ምሽጥራዊ ተግባራት ከየቃልዕ ስለ ዝሰግኡ ኣብ’ታ ዝመፃላ ዕለት ሃንደበት ሓሚሙ ብምባል ከም ዝቐተልዎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣