ኣብ
ክልል ትግራይ ከተማ መቐለ ንኣገልግሎት ህዝቢ ክውዕል
ዝተሓሰበ ንብረት ቤት ፅሕፈት ገጠር ሕርሻ ልምዓት ብዘይ ሕጋዊ ሰነድ ደብዳቤ ካብ መኻዚኖ ናይ’ቲ ቤት ፅሕፈት ከም ናይ ማይን መብራህትን ዓበይትን ማእኸሎትን
ጀነሬተራት፤ ካልኦት ናይ እንቛቑሖ መፈልፈሊ ዓበይቲ ማሽናትን ዝርከብዎም ብላዕለዎት ሰበ ስልጣን ናይ’ቲ
ስርዓት ክወፅእ ብምእዛዝ ኣብ ውልቃዊ ረብሐኦም ከም ዘውዓልዎ
ተፈሊጡ።
ካብ’ቶም ኣብቲ ግዕዝይና ዝተዋፈሩ ሓደ ድማ ሓላፊ እቲ ቤት ፅሕፈት ዝኾነ ኣይተ ኪሮስ ቢተው
ምዃኑ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ። ንሱ ምስ መሻርኽቱ ኮይኖም ካብ’ቲ መኻዚኖ ብዘይኣግባብ ብዘይሓለወ ግበር ኣይትግበር ዝዓይነቱ ብናይ ቃል ትእዛዝ ጥራሕ ንብረታት ክወፅእ
ብምግባር ኣብ ውልቃዊ መነባብሮኦም ከወዕልዎ ድሕሪ ምፅናሕ። ዳሕራይ ኦዲተራትን ተቖፃፀርቲን ንብረትን ኣበይ ኣሎ ዝብል ንዝቐረበሎም ሕቶ ግና ኣነ ኣይፈልጥን ክብሉ ኣሉታዊ
ምላሽ ስለ ዝሃቡሉ። ኣብቲ መኻዚኖ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ናቲ ቤትፅሕፈት ናብ ዘይተደለየ ዕዳ ተሻሚሞም ብገበን ክሳብ ክሕተቱ
ብምግባሮም መረረቶም ኣብ ምግላፅ ከም ዝርከቡ ተፈሊጡ፣
እቶም
ኦዲተራት ብወገኖም ነቶም ሰራሕተኛታት
ናይ’ቲ መኻዚኖ ብዘይ መአዘዚ ደብዳበ ስለምንታይ
ወፅኢ ትገብሩ ክብሉ ንዘቕረብሎም ሕቶ። ክንዲ መራሒ ክልል
ትግራይ ዝኣኽሉን ብትእዛዞም ንዝወፀ ንብረትን ክኽሕዱና እዮም
ዝብል ትፅቢት ኣይነበረናን ብምባል። ነቲ ብዘይወዓልዎ ኣብ ልዕሊኦም ዝወርድ ዕዳን ክሲ ገበን ኣዝዩ ከም ዘሰንበዶም ኣብቲ ዝተገበረሎም ኣኼባ ኣብሪሆም፣