እቲ ብ11 ሕዳር 2006 ዓ/ም ዝተኻየደ ማዓልቲ ከተማታት ነቲ በዓል
ንምድማቕ ተባሂሉ ኣብ ከተማ ባህርዳር ዝወፀ ብ10ታት ሚልዮን ዝግመት ገንዘብ። ምስ ቑጠባ እዛ ሃገር ዘይሳነ ምዃኑ ዝገለፁ ነበርቲ እታ ከተማ። እቲ ዝወፀ ገንዘብ
ድራራ ዕለት ሲኢኑ ተዓፂፉ ንዝሓድር ዘሎ ድኻ ህዝብና ሓገዝ
ክውዕል ይግባእ ነይሩ ክብሉ ወሲኾም ኣረዲኦም፣
ነበርቲ
ከተማ ባህርዳር ነቲ በዓል ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ
ሓበሬታ ሰበስልጣን
ክልል ኣምሓራ ኣብቲ በዓል ንዝተረኸቡ ተወልድቲ ህንድን ካልኦት ዜጋታት ምሽላሞም ንፖለቲካ ረብሓ
ክትብል ኣብ ገዛኻ ንዘሎ ጥሙይ ገዲፍካ ንባዕዳውያን ምሽላም ግቡእ ኣይኮነን ክብሉ ድሕሪ ምግላፅ። እዚ ድማ። “ፅብላልዕስያ መዓኮራ ዘይከደነት ምድሪ ከደነት” ንዝብል ምስላ
ወለዲ ዘስምዕ እዩ ክብሉ ኣብቲ በዓል ዝተረኸቡ ኣይተ ገዘኸኝ ኣይጠገብ ዝተበሃሉ ተወካሊ ህዝቢ ነቲ ኣካይዳ ከም ዝተቓወምዎ ተፈሊጡ፣
ብተመሳስሊ
ኣብ ከተማ ባህርዳር ቀበሌ 17 ኣብ ዝርከብ ኣምባሳደር ሆቴል መገርሳ ዝተብሃለ
ወተሃደር ስርዓት ኢህወዴግ ብ19 ሕዳር 2006 ዓ/ም
ኣብ ውሽጢ እቲ ሆቴል ይሰትዩ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ሓለፍቲ ናይ’ቲ ስርዓት ቦንባ ብምፍንጃር ከም ዝቐተሎም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ። ናይቶም ዝሞቱ ሓለፍቲ ዝርዝር ኣሽማት ድማ ሻለቓ ተስፋይነህ ሓጎስ፤ ምክ/ሓለቓ
ሚኢቲ ኣላቸው ተሾመ፤ ሓለቓ ሓምሳ ጌታቸው ሞላ ዝተባሀሉ ከም ዝኾኑን። ገለ ናይቲ ሆቴል ሰራሕተኛታት’ዉን ዝቖሰሉ ምህላዎም እቲ ዝበፅሓና ሓበሬታ የመልክት፣