Saturday, December 7, 2013

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ኣዊ ነበርቲ ዳንግላ ብሰ በስልጣን እቲ ወረዳ ካብ መንበሪ ገዝኦም ይፈናቐሉ ምህላዎም ምንጭታትና ከብቲ ከባቢ ገሊፆም።



  ብመሰረት ‘ቲ ሓበሬታ።  እቶም ነበርቲ ወረዳ ዳንግላ ቅድሚ ክልተ ዓመት መሬት ዓዲጎም ገዛ ሰሪሖም ይቕመጥሉ ዝነበሩ መንበሪ ገዝኦም።  ሰበ ስልጣን እቲ ስርዓት ቅድመ ድልውነትን  ካሕሳን ከይሃቡ ካብ 18 ሕዳር 2006 ዓ/ም ጀሚሮም  የፍርስዎ ስለ ዘለዉ።  ብዙሓት ሽማግለታትን ህፃውንትን ዝርከቡዎም ዜጋታትና ግዳይ ፀሓይን ንፋስን ኮይኖም ንሕማምን ሞትን ተቃሊዖም ከም ዝርከቡ ኣረዲኡ።

   ብተወሳኺ እቶም ነበርቲ ነቲ ዝወረዶም ሃንደበታዊ ምፍራስ ገዛውቲ ናይ ምድላው መዓልቲ ክወሃቦም ከምኡ’ዉን ንዘውፅእዎ ወፃኢታት ካሓሳን ተለዋጢ መሬትን ንኽዋሃቦም። ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ዘቕረብዎ ጥርዓን ሰማዒ ስለ ዝሰኣኑ ኣብ  በረኻ ተደርብዮም ይሳቐዩ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ፣

  እዚ ናይ  ህዝቢ  ገዛውቲ ናይ ምፍራስ ግፍዕታት ኣብ ምሉእ እዛ ሃገር ዝፍፀም ዘሎ ሕጋውነት ዘየብሉ ተግባር  ምዃኑ ዝገለፁ ተዓዘብቲ። እዚ ድማ ሰበ ስልጣን ኢህወዴግ ናብ ጁበኦም ዝእቱ ዶላር እንተዘይ ኮይኑ ንህዝቢ ዘይሓልዩ ጨካናት መራሕቲ  ምዃኖም ዘንፀባርቕን  መለለይ እከይ ተግባራቶምን   እዩ ክቡሉ ወሲኾም ኣረዲኦም፣