Wednesday, April 9, 2014

ኣብ ዩንቨርስቲ ኣኽሱም ዝርከቡ ተምሃሮ እኹል ቀረብ ማሕበራዊ መነባብሮ ክረኽቡ ብዘይ ምኽኣሎም ኣብ ከቢድ ፀገም ወዲቖም ከም ዘለው ተገሊፁ።



   ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ኣብ’ቲ ዩንቨርስቲ እኹል ቀረብ ማሕበርዊ መነባብሮ ብዘይ ምህላው ተምሃሮ ኣደዳ ጥምየት ኮይኖም ይሳቐዩ ኣብ ዘለዉሉ ንዘተፈላልዩ ሕማማት ተቃሊዖም መዓልታዊ ክሳብ ሞት ይበፅሑ ብምህላዎም ዝተዓዘቡ ብርክት ዝበሉ ተማሃሮ ንድሕንነት ህይወቶም ክብሉ ዕድምኦም ምሉእ ዝደኸምሉ ዝፈትዎ ትምህርቶም ገዲፎም ንገዝኦም ክኸዱ ይግደዱ ከም ዘለው ተፈሊጡ።
እቲ ምኽንያት ሕፅረት ቀረብ ማሕብራዊ መነባብሮ ዕደጋ ክፍሊ ናይቲ ዩንቨርሲቲ ዝኾኑ መምህር ሰመረ የውሃንስን መምህር ቴድሮስ ሃይሉን ዝተብሃሉ ዉልቀ ሰባት፣ ነቲ ንማሕበራዊ መነባብሮ ቀረብ መዕደጊ ክዉዕል ተባሂሉ ዝተሰለዐ ገንዘብ ኣብ ዉልቃዊ ጥቕሞም የጠፋፍእዎን ይበልዕዎን ብምህላዎም ምዃኑ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ የረድእ።
ብሰንኪ እቲ ማሕበራዊ ፀገም ትምህርቶም ካብ ዘቋረፁ ተምሃሮ ንገለ ንምጥቃስ፦
  1. ኣፍወርቂ ታመነ ወረዳ ፀለምቲ ዝዓዱ
     2. ደሴ ኣለባቸው ኣብ ደቡብ ጎንደር ዓዱ ሓሚሙ ሕክምና ምስ ኣተወ ብኡ ኣቢሉ ንዓዱ ዝኸደን ካልኦትን እንትኾኑ፣  ብተወሳኺ ኣብ’ቲ ዩንቨርስቲ መሳርሒ ፅሬትን ናውቲ ትምህርቲን እቶም ተምሃሮ ይፅገሙ ከም ዘለው እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ገሊፁ።