Wednesday, April 9, 2014

ኣብ ከተማ ሑመራ ዝርከብ ሕክምና ብዕለት 18/07/2006 ዓ/ም ህዝቢ ናይቲ ከባቢ ንሽሙ ደኣ ሕክምና ‘ምበር ጥራሕ ገዛ እዩ ዋላ ሓንቲ ቀረብ መድሓኒት የብሉን ክብሉ ጥርዓኖም ኣቕሪቦም።



ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሑመራ ዝነብር ኣብዝሓ ህዝቢ ኣብ’ዚ ሐዚ እዋን ብዝተፈላለዩ ሕማማት ብፍላይ ድማ ካላዛር ብዝተብሃለ ሕማም ተለኺፉ እናተሳቐየ ኣብ ዝርከበሉ ሰበ ስልጣን እቲ ሕክምና ግና ኣብ’ዚ ኣይንሕክመኩምን ንመቐለ ዓይደር ሆስፒታል ከይድኩም ተሓከሙ እናበሉ የፋንዉዎም ምህላዎም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ በዚ ምኽንያት ከዓ ካብ’ዚ ቀረባ መዓልቲ ናብዚ ጥራይ ልዕሊ 200 ዝኾኑ ሰባት በቲ ሕማም ተጠቒዖም ሕክምና ስኢኖም ኣብ ገዝኦም እናተሳቐዩ ከም ዝርከቡ እቲ ሓበሬታ ይገልፅ።
 በዚ ምኽንያት ድማ ህዝቢ እቲ ከባቢ ሃፍታም ብገንዘቡ ኣብ ዝደለዮ ከይዱ ክሕከም ይኽእል እዩ፣ እቲ ዓቕሚ ዘይብሉ ድኻ ሕብረተሰብ ከመይ ገይሩ መቐለ ከይዱ ክሕከም ኣይኽእልን?፣ ስለ ምንታይ ፀገም ህዝቢ ዘይፍታሕ?፤ ክሳብ መዓዝ ኢና መቐለ እናኸድና ክንሕከም፣ ሓላፍነት ዘይስምዖ መንግስቲ ረኺብና እናበሉ ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት መረረቶም ኣብ ምግላፅ ከም ዝርከቡ ወሲኹ ኣገንዚቡ።