Sunday, May 11, 2014

ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ኣስገደ ፅምብላ ጣብያ ደብረማርያም ቑሸት ገራርሽ ዝርከቡ ሓለፍቲ ፀጥታ ብ1 /ሚያዝያ /2006 ዓ/ም ኣብ መንጎኦም ብዝተልዓለ ባእሲ ናይ ሞትን መቑሰልትን ሓደጋታት ከም ዝወረዶም ተሓቢሩ።





     እዞም ኣብ ወረዳ ኣስገደ ፅምብላ ጣብያ ደብረማርያም ቑሸት ገራርሽ  ዝርከቡ ናይቲ ከባቢ ፀጥታ ክሕልዉ  ተባሂሎም ብካድረታት ወያነ ዝተሸሙ ሰባት ህዝቢ ከጋፍዑ ምፅንሖም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ እንተኾነ  ኣብ መንጎኦም ብዝፀንሐ ዘይምቅዳው ዝመበገሲኡ ዕግርግር ግዳይ ሞትን መቑሰልትን ከምዝኾኑ  ካብቲ ከባቢ ዝበፅሓና ሓበሬታ ገሊፁ።

     እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ  በዚ  ኣብ መንጎ ሓለፍቲ ምልሻ ዝተልዓለ ባእሲ  ኣይተ ኣስየሀይ በየነን ፤ኣይተ በለጠ ኣበራን 1ሚያዝያ 2006 ዓ/ም ህይወቶም እንትሓልፍ  ኣይተ ብሩህ ኣለማዮህ ድማ ብኸቢድ ቆሲሉ ኣብ ሆስፒታል ከተማ ሽረ ይሕከም ከም ዘሎ  ተገሊፁ።