Sunday, May 11, 2014

ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ኣስገደ ፅምብላ ከተማ እንዳባጉና ዝረከቡ ነጋዶ ልዕሊ ዓቕሞም ግብሪ ክኸፍሉ ሰለ ዝተሓተቱ ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ተሪር ተቓውሞ ከም ዘስምዑ ተሓቢሩ።



በመሰረት’ቲ ሓበሬታ ነጋዶ ከተማ እንዳባጉና ብኣሽሓትን ሚልዮናትን ዝግመት ገንዘብ ንኽኸፍሉ  ብሰበስልጣን ህወሓት ኣብ ኣኼባ ዝተነገሮም እንትኾን  ብወገን እቶም ነጋዶ ድማ ነዚ ዘይፍትሓዊ ኣከፋፍላ  ግብሪ ብምቅዋም ሓሳቦም ካብ ዘቕረቡ ነጋዶ ኣይተ ጌታቸው ውልቅየ ኣይተ ፍፁም ታደሰ ፤ ኣይተ ታደስ ውቃልኝን ካልኦትን እንትኾኑ ሓሳቦም ድማ  ብሕርቃንን ብንብዓት ኣሰንዮም ከም ዝገለፅዎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

    እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ  ነቲ ኣኼባ ዝመርሕ ዝነበረ ናይ’ታ ከተማ ከንቲባ ብርሃነ ወረስ ዝተበሃለ  ነቲ መደብ ንምትግባር ነቶም ነጋዶ ብዘይ ኣመንሉ ክኸፍሉ ከፈራርሖም ከምዝወዓለ ድሕሪ ምግላፅ በዚ ኩነታት ዘማረሩ ነጋዶ ድማ ገለ ፍታሕ  ንምርካብ ክብሉ ናብ  ምክትል ርእሰ ምምሕዳር  ክልል  ትግራይ ዝኾነ ኣይተ በየነ ምኩሩ ብምኻድ እቲ ዝተተመነሎም ግብሪ ልዕሊ ዓቕሞም ምኻኑን  ብሰንኩ ድማ ናብ  ዘይወፅዎ ድኽነተን ስደትን ክንቃላዕ ኢና ኢሎም  ዘቕረቡብዎ ጥርዓን   እንተኾነ’ውን ውፅኢት ከረኽብሉ ከም ዘይከኣሉ ካብቲ ከባቢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።