Friday, May 23, 2014

ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ከባቢ ኦሞ ሽምጢ ሸለቆ ወረዳ ጂንካ ንዝርከቡ ሓረስቶት ብ12/ግንቦት/2006 ዓ/ም ፖሊስ ካብ መረበቶም ብሓይሊ ከፈናቕልዎም ኣብ ዝፈተንሉ እዋን ብዝተፈጠረ ግጭት ኣስታት ናይ ሚኢቲ ሰባት ህይወት ከም ዝጠፍአ ተፈሊጡ።



ብመሰረት እቲ ሓበሬታ መራሕቲ ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ኣብ ከባቢ ኦሞ ሸለቆ ናይ  ዝነበሩ ዜጋታትና  መሬቶም ንመስርሒ ሽኾር ፋብሪካ ብዝብል ሰበብ ፖሊስ ብምልኣኽ ብሓይሊ ከፋናቕልዎም ኣብ ዝጀመርሉ እዋን ነበርቲ ድማ መረበትና ኣሕሊፍና ኣይንህብን ብምባሎም  ዝተልዓለ ሓይሊ ዝተመልኦ ጎንፂ ካብ ህዝቢ 80 ዝኾኑ ንፁሃት ዜጋታት እንከሞቱ ካብቶም መጋበሪያ ኣብ ስልጣን ናይ ዘሎ ገዛኢ መንግስቲ ዝኾኑ ጨፍጨፍቲ ኣባላት ፖሊስ ድማ 20 ከም ዝተቐተሉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ። 

    ብተወሳኺ እቲ ኣብ መንጎ ህዝብን ፖሊስን ዝተልዓለ ግጭት ደው ክብል ስለዘይከኣለ በዚ ዝሰግኡ  ኣማሓደርቲ እቲ ከባቢ ድማ ካብ ከተማ ሃዋሳ ሓንቲ ናይ ኣግኣዚ ሬጂመንት  ሊኢኾም  ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ከቢድ ናይ ጭካነ ድብደባን ማእሰርትን ክወርድ ስለዝገበሩ  ነበርቲ ድማ ምስ ከቢድ ብረት ዝዓጠቑ ወተሃደራት ኩናት ንምኽፋት ዓቕሚ ስለ ዝሓፀሮም ብዙሓት ሕፃውንትን ሽማግለታትን ዝርከብዎም ነበርቲ እቲ ከባቢ ካብ መንበሪ ገዝኦም ወፅዮም  እግሮም ናብ ዝመርሖም ይጠፍኡ ምህላዎም ተፈሊጡ።

ብተመሳሳሊ እዚ ብሽም ኢንቪስትመት ኣብ ኩሉ ከባቢታት ሃገርና ዝገበር ዘሎ ናይ መሬት ወራርን ፋብሪካ ሽኮር ኣመኽኒኻ ዝግበረ ዘሎ ሓረስቶት ካብ መረበቶም ምፍንቓልን ብኣልማሚት ብሓይልታት ፀጥታ ህወሓት ኢህወዴግ ይቕተሉ ምሕላዎምን ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ኣብ ናይ ዜና ፈነወና እናገለፅናዮ ምምፃእና ይፈለጥ።