Friday, May 23, 2014

ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ላዕላይ ኣድያቦ ነበርቲ ጣብያ ዕጉብ ኬላ ብሕጋዊ መንገዲ ኣብ ዝተዓደሎም መሬት ትካላት ከፊቶም ቤተሰቦም ክናብይሉ ዝፀንሐ ገዛውቶም ፣ ብኣመሓደርቲ እታ ጣብያ ከም ዝፈረሰ ተፈሊጡ።



ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ፣ ኣብ ዞባ  ሰ/ምዕራብ ወረዳ ላዕላይ ኣድያቦ ነበርቲ ጣብያ ዕጉብ ኬላ ብሕጋዊ መንገዲ ዝተዉሃቦም መሬት ከም ሸቐጣ ሸቐጥ ዝኣመሰሉ ትካላት ከፊቶም መነባብርኦም ዝመርሕሉ ዝነበሩ ኣባይቶም ካብ 29 ሚያዝያ ጀሚሩ  ክሳብ 7 ግንቦት 2006 ዓ/ም ገዛዉቶም ብላኡዃት እቲ ስርዓት ካብ ዝፈረሶም  ወገናት፦

1    ኣቶ ኣማረ ምኮነን ክልተ ክፍሊ ገዛ
2    ኣቶ ንጉሰ ብርሃነ ክልተ ክፍሊ ገዛ
3    ቀሺ ብርሃነ ገረህላሰ ሰለስተ ክፍሊ ገዛ
4    ኣቶ ታረቀ ታደሰ ሰለስተ ክፍሊ ገዛ
5    ኣቶ ኣለም ወለገብራኤል ኣርባዕተ ክፍሊ ገዛ
6    ቀሺ ኣዳነ ታደሰ ክልተክፍሊ ገዛ
7    ፅዋ መኮነን
8    ኣረጋይ ሰጋ
9    ኣቶ ብርሃኑ መኮነን
10  ተኽላይ ወለኣረጋይን ካልኦትን  ዝርከብዎም ከምዝኾኑ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ምፍራስ ገዛውቲ እታ ጣቢያ ዝተዋፈሩ ኣማሓደርቲ ድማ  ገብረኣብዝጊ ኪዳነ ምስ ምክትሉ ተስፋሃንስ መሰለን ሳልሳይ መሳርሕቶም ፍታኣለም ገብረማርያም ብምኳን ካብ ኣገባብ ወፃኢ ነቲ ገዛዉቲ ምስ ንብረቱ እንዳሃለወ ኣዕንዱ እቲ ገዛዉቲ ከም ዝሰበርዎን ከም ሳዕቤኑ ድማ ብርክት ዝበለ ንብረት  ስለ ዘዕነውሎም  እቶም ዜጋታት ብዘይ መፅለሊ ኣብ ማእኸል በረኻ ንፀሓይን ቁርን ንፋስን ምቕለዖምን ኣብ ክሳራ ምውዳቖምን እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣመልኪቱ።