Tuesday, May 13, 2014

ኣብ ዞባ ከንባታ ኣላባ ጠንባሮ ወረዳ ቃጨቢራ ኣብ ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ዘምህሩ መምህራን ብ18/ሚያዝያ 2006 ዓ.ም ንግድብ ኣባይ መስርሒ ገንዘብ ንክኸፍሉ ዝተገበረሎም ኣኼባ ረጊፆሞ ከም ዝወፁ ካብቲ ከባቢ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።



ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ኣብ ክልል ህዝብታት ደቡብ ዞባ ከንባታ ኣላባ ጠንባሮ ኣብቲ ናይቲ ወረዳ መአከቢ ኣደራሽ ብናይ ወረዳ ቃጨበራ ሓላፊ ህዝባዊ ርክብ ኣይተ ቴድሮስ ጭሌቦ ኣብ ዝመርሖ ኣኼባ ካባይ ጀሚሩ ኩላህና ንግድብ ኣባይ ካብ ደመወዝና ክንከፍል ኣለና ዝብል ሓሳብ ምስ ኣቕረበ ካብቶም ተሳተፍቲ ተቓዉሞ ከም ዝገጠሞ ተፈሊጡ።

ብተወሳኺ እቲ ናይ’ቲ ወረዳ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ  ነዚ ወሪዱ ዘሎ መምርሒ ዘየተግብር መምህር ናይ ወርሒ ደመወዙ ክነትርፎ ኢና ክብል ብሓይሊ ቃል ነቶም መማህራን ምስ ተዛረቦም ንሳቶም ከኣ ነቲ ናይ መአከቢ ኣደራሽ ራሕሪሖሞ ከም ዝወፁ ካብቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።