Tuesday, May 13, 2014

ኣማሓደርቲ ከባብያዊ ምምሕዳራት ከተማ መቐለ ብዝላባዕ ዘሎ ህዝባዊ ናዕብታት ብምስጋእ ብ30 ሚያዝያ 2006 ዓ/ም ንነበርቲ እተን ምምሕዳራት ብዛዕባ ፀጥታ ዝብል ኣኼባ እናፀውዑ የጨንቕዎም ከም ዝዋዓሉ ተፈሊጡ።



ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ኩለን ከባብያዊ ምምሕዳራት ከተማ መቐለ ንዝርከብ ህዝቢ ብመራሕቲ ህወሓት ኢህወዴግ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ከም መዛረቢ ዛዕባ ዝቐረበ” ፀላእቲ ከይመፁና ከባቢና ንሓሉ፤ ጨጉረ-ለወጥ እንተሪእና ድማ ንፖሊስ ንሓብር” ዝበሉ ስግኣት  ዝወለዶም መምሪሒታት ከም ዝነበር ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
   
    እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ካብተን ኣኼባ ዝተኻየደለን ከባብያዊ ምምሕዳራት ሓንቲ ከባብያዊ ምምሕዳር ዓይደር ኮይና ነቲ ኣኼባ ዝመርሑ ዝነበሩ ናይ’ታ ምምሕዳር ሓላፊ ፀጥታ ኣማኑኤልን ኢንስፔክተር  ምሩፅን ዝተብሃሉ ምዃኖም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ እዚኦም ነቲ ተኣካባይ፣ ህዝቢ ብወገኑ  እቶም ፀላእትን ጨጉረ ለወጥን ትብልዎም ዘለኹም ሓብሩና  ትማሊ ፀላእቲ የብልናን ‘ዶ ትብሉና ኣይነበርኩምን ብምባል  ህዝቢ ዘቐረበሎም ተሪር ሕቶ ግዚኡ ምስ ኣኸለ እንዛረበሉ እዩ ብምባል ሸፋፊነምዎ ከም ዝሓለፉ ተፈሊጡ።