Thursday, May 15, 2014

ብ18 ሚያዝያ 2006 ዓ/ም ኣብ ዞባ ሰሜን ሽዋ ከተማ ወሊሶ ኣብ ዝተገብረ ኣኼባ ነበርቲ ምስቶም ምምሕዳራት ኣፈላላይ ፈጢሮም እቲ ኣኼባ ብዘይ ፍረ ከም ዝተበተነ ተፈሊጡ፣፣



ብመሰረት እቲ ሓበሬታ መራሕቲ ናይቲ ኣኼባ ዝነበሩ ምምሕዳራት ምስሉይ ኣካይዳ ናይቲ ስርዓት ክሰብኩዎም ስለ ዝጀመሩ  እቶም ኣኼበኛታት ምስቶም ምምሕዳር ኣፈላላይ ፈጢሮም ክረዳድኡ ከም ዘይከኣሉን ኣብ መንጎ ምምሕዳርን ባይቶን  እንተኾነ’ዉን ኣፈላላይ ተፈጢሩ ከም ዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣፣

    ካብዚ ብምብጋስ ድማ እቶም ነበርቲ ብ23 ሚያዝያ 2006 ዓ/ም ናብ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣብ ዘምርሑሉ እዋን ናይ ፊደራል ፖሊስ ክዳን ዝተኸድኑ ካብ ኣዲስ ኣበባ ከተማ ዝመፁ ናይ ኣግኣዚ ኮማንዶ ብዝኸፈትዎ ተኹሲ ልዕሊ 7ካብቶም ሰልፈኛታት  ከም ዝሞቱ ካብቲ ሓበሬታ ምርዳእ ተኻኢሉ፣፣

 ከምዝፍለጥ  ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ከምዚ ሕዚ ተጀሚሩ ዘሎ ህዝባዊ ናዕብታት ክለዓዓል እንከሎ ኣግኣዚ ዝተብሃሉ ናይ ኮማንዶ ኣሃዱ ገይሩ ህዝቢ ከም ዘጨፍጭፍ ካብ ናይ 1997 ዓ/ም መረፃ ጀሚሩ ዝፍፅሞ ዘሎ ኣረሜናዊ ተግባራቱ ምዃኑ ዝዝከር እዩ፣፣