Thursday, May 15, 2014

ኣብ ኢትዮጵያ ኣንፃር ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ተጀሚሩ ዘሎ ሰለማዊ ሰልፍታት ሕዚ’ውን ከም ብሓድሽ ተጠናኺሩ ብ28/ሚያዚያ 2006 ዓ/ም ኣብ ምዕራብ ወለጋ ከተማ መቱ ይቕፅል ከም ዘሎ ተፈሊጡ።



ምንጭታትና ካብ’ቲ ከባቢ ከም ዝሓበርዎ እቲ ኣንፃር ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞ ብዝለዓለ ደረጃ በርቲዑ ይቕፅል ከም ዘሎ ድሕሪ ምግላፅ  ብፍላይ ብ28 ሚያዝያ 2006 ዓ/ም ኣብ ክልል ኦሮሚያ ምዕራብ ወለጋ ነበርቲ ከተማ መቱ  ኣንፃር እቲ ስርዓት ሰለማዊ ሰልፊ ምክያዶም ተፈሊጡ፣፣

    ነቲ ብህዝቢ ከተማ መቱ ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰለማዊ ሰልፊ ዘስገኦም ሰበስልጣን  እቲ ስርዓት  ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝተልኣኹ ፌደራል ፖሊስ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ነበርቲ እታ ከተማ  ብዝኸፈትዎ ተኹሲ ልዕሊ 12  ከም ዝቐተሉን  4 ሰባት ድማ  ከም ዝቖሰሉን ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፣፣

   ካብቶም ብሓይልታት ፀጥታ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ዓፋኒ ስርዓት ዝተቐተሉ ንፁሃት ወገናት
1.  በቀለ ድጉማ  ዝተብሃለ ተምሃራይ 12 ክፍሊ
2.  ኣለማዮ እዴሳ  ኣብ ስራሕቲ ንግዲ ዝተዋፈረ
3.  ፈይሳ ኣለማ   ተምሃራይ
4.   መምህር ሓሰን ኣህመድ ዝተብሃለን ካልኦትን ከም ዝርከብዎም እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።