Thursday, May 15, 2014

ኣብ ሰሜን እዝ ግንባር ቡሬ ዘለው ኣባላት ምክልኻል ሰራዊት ናይ 7ተ ዓመት ኣገልግሎትና ስለ ዝወዳእና ንዓድና ኣሰናብቱና ዳግማይ ንኽነገልግል ኣይንፍርምን ብምባል ተቓውሞኦም ይቕፅልሉ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ፣፣



ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ግንባር ቡሬ ዝርከቡ ላዕለዎት መኮነናት ዝርከብዎም ብርክት ዝበሉ ኣባላት ምክልኻል ሰራዊት ስርዓት ወያነ-ኢህወዴግ ኣብቲ ስርዓት ዘለዎም እምነት እናንቆልቆለ ይኸይድ ስለ ዘሎን ናብራ ውትድርና እንተኾነ’ውን ብሰንኪ ግዑዙይ ምሕደራ ይመሮም ስለ ዘሎ ናብ ዓድና ስደዱና እናበሉ  ብተደጋጋሚ ኣድማታት የልዕሉ ከም ዘለው ተፈሊጡ፣፣

   በዚ መሰረት ድማ ሰራዊት ኣለዓዒልኩም ብዝብል ምኽንያት ብርክት ዝበሉ መኮነናት ተኣሲሮም ከም ዘለው  ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ  ብተወሳኺ  ላዕለዎት ሓለፍቲ ናይቲ እዚ ክሳብ እቲ ኩነታት ዝረጋጋእ እቶም ሰራዊት ናብ ቤተሰቦም ብፍቓድ ከይኸዱን ጠቕላላ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ከይንቀሳቐሱን ከልኪለምዎም  ከም ዘለው እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ የመልክት፣፣