Wednesday, May 14, 2014

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ፀገም ምሕደራ መሬት ዝመንቀሊኡ ብተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ሃገርና ዝተኻየደ ተቓዉሞ ስዒቡ ኣብ ትግራይ ናብ ዝርከባ ዩኒቨርሲቲታት ከምዝተላበዐ ተፈሊጡ።



እቲ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ  ብሰንኪ እቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘጋጠመ ናይ ዜጋታትና ምፍንቓል ህዝቢ ነዚ ብምቅዋም ብዘካየዶ ናይ ተቓውሞ ሰለማዊ ሰልፊ ብርክት ዝበሉ ወገናትና ብዕጡቓት ናይቲ ስርዓት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ዝፍለጥ ኮይኑ ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከባ ዩኒቨርሲቲታት ዓዲ ግራት፤ኣኽሱም፤ኣብ ሽረ ዝርከብ ናይ ሕርሻ መሰልጠኒ ኮለጅን ወጥሪ ተፈጢሩ ከም ዘሎ ተሓቢሩ።

    ኣስዒቡ እቲ ሓበሬታ ብፍላይ ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ተቓዉሞኦም ንምስማዕ ሰልፊ ወፂኦም ከም ዝነበሩን ብሓይሊ ፌደራል ፖሊስ ከም ዝተበተኑን  ተፈሊጡ። 

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከባ ኣብ ኩለን ዩኒቨርስቲታት ተምሃሮ ኣድማ ከልዕሉ እዮም ብዝብል ስግኣት ካብ 26 ሚያዝያ 2006 ዓ/ም ጀሚሩ ብናይ’ቲ ስርዓት ኣባላት ፖሊስን ፀጥታን ይሕለዋ  ከም ዘለዋ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።