Saturday, May 17, 2014

ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ደብረማርቆስ ዝማሃሩ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ንጉዕዙይ ምሕደራ ናይቲ ትካልን ብሓፈሻ ነቲ ስርዓትን ብምቅዋም ብ28 ሚያዝያ 2006 ሰለማዊ ሰልፊ ከም ዘካየዱ ካብ’ታ ከተማ ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።


ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ከተማ ደብረማርቆስ   ንብልሹው ኣካይዳ   ኣማሓደርቲ ናይቲ ዩኒቨርሲትን   ብሓፈሻ  ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ካብ ስልጣኑ ይውረድ ዝብሉ ጭርሖታት ብምስማዕ  28 ሚያዝያ 2006 / ናይ ተቓውሞ ስለማዊ ሰልፊ ምክያዶም ድሕሪ ምግላፅ ብሰንኪ እቲ ዝተልዓለ ሰልፍን ዕግርግርን ብዙሓት መኻይንን ካልእ ንብረትን  ከም ዝዓነወ  ድማ ተፈሊጡ።

   እቶም ተቓውሞ ዘካይዱ ዝነበሩ ተምሃሮ   ንዲን ናይቲ ዩኒቨርስቲ “ንስኻ ተለኣኣኺ ናይቲ  ስርዓርትን ነዚ ትካል  ክውዕል ተባሂሉ ዝተበጀተ ገንዘብ   ብምስራቕ ኣብ ውልቃዊ መነባብሮኻ  ተውዕሎ  ስለዘለኻ  ናይ  ምምሃር  ምስትማር   ተግባር  ክተዓናቐፍ ኪኢሉ ብምባል   ብገመድ ኣሲሮም ናብቲ ጎደናታት ከም ዘውፅእዎ     ተገሊፁ።

     በዚ ኩነታት ዝሰግኡ ኣማሓደርትን ካድረታትን ናይቲ ስርዓት ብርክት ዝበሉ ኣባላት  ፌዴራል ፖሊስ  ኣዋፊሮም ነቲ ተቓውሞ  ብምዕጋት ነቶም ተምሃሮ ድማ ከቢቦም ናብቲ ቐፅሪ እቲ ዩኒቨርሲቲ  ክኣትዉ ከም ዘገደድዎም    ዝገለፀ  እቲ  ሓበሬታ   ካብ’ቲ ውሽጢ እቲ ዩኒቨርሲቲ ክይወፁ  ብምእጋድ ድማ    ብዘይ ማይን መግብ 4 መዓልቲ ዓፅዮም ብጥምየትን ብፅምእን ዋላ ብካድረታት ተተሳቐዩ እቲ ዕግርግርን ረብሻን ድማ ይቕፅል ከምዘሎ ተፈሊጡ።

ብተመሳሳሊ እቲ ናይ ተቓውሞ ሰለማዊ ሰልፊ ናብ ሙሉእ ኢትዮጵያ ይላባዕ ምህላዉ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ  1/ ግንቦት 2006 /    ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ጂማ  ኣንፃር ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ  ኣድማ ከም ዘካየዱን   እቲ ተቓውሞ ድማ ብፌዴራል ፖሊስ  ከም ዝተበተነን  እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።